ተወልደ ሕሉፍ ገ/ታትዮስ

  • ትውልዲ ቦታ: ምብራቅ ወረዳ ሓውዜን
  • ዕለተ‐ልደት: 19/01/1982ዓ.ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 28/03/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ሰሪንቃ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተገዳላይ ተወልደ ሕሉፍ ገብረታትዮስ ካብ ኣቡኡ ሕለፍ ገብረታትዮስ ካብ ወለዲቱ ወይዘሮ መድህን ወላይ ከበደዉ ኣብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረሰላም ፍሉይ ቦታ እንዳ ኣቡነ ይመኣታ ጉሕ ብ 1982 ዓ.ም ተወሊዱ ግዘ ቁልዕነቱ ድማ ምስ ወለዱን መሓዙቱን ኣብ ዘለዉዎ ጉሕ ከም ማንም ትግራዋይ ብፀገም ተፈቲኑ ዝዓበየ ጅግና ሰውእ እዩ ኩነታት ሓዳሩ ድማ ብ 2007ዓ.ም ተመሪዑ ኣቦ ሓንቲ ቆልዓ እዩ ነይሩ ተጋ ተወልደ ናብ ገድሊ እንትወፍር ድማ ነባር ዓቅሚ ስለዝነበረ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ኦፕረሽን ምስ ብፆቱ ኮይኑ ከምቲ ኩሉ ትግራዋይ ቅድሚት ንህዝቡን ን ዓዱን ብተወፋይነት ብ ግንባር ዛላንበሳ ብ 24/02/2013ዓ.ም ምስቲ ነባር መከላከያ ሰራዊት ምንባሩ ብውይነት ምስ ፀላኢ ፊትንፊት ገጢሙ እዩ ኣቦ ብሬን ድማ ነበረ ብድሕሪ እዙይ ናብ ደባይ ውግእ ምስተቀየረ ድማ ከም ብሓዱሽ ተመስሪቶም ናብ ኣርሚ ሰለስተ ዝኾነ ፅንዓት ክፍለሰራዊት ተፀሚቢሩ ኣብ ከባቢታት ሓውዜን ብልዑል ወነ ኣብቲ ከባቢ መጋብን ዓዲ በለዉን ብዝገርም እንተተከበቡ ኣሃዱኡ መንገዲ እናመርሐ እናውፀኣን ፍሉይ ጅግንነት ብፍላይ ኣብ ምርባብ ዝበሃል ቦታ ፍሉይ ስራሕ ዝሰርሐን ዝተወፈየን ወዲ ህዝቢ ነበረ ድሕሪ ብዙሕ ዓውደ ውግኣት ድማ ኣብ ሰሉሕ ብ 14/08/2013ዓ.ም ኣብ እንዳ ሳሚኤል ምስ ሻዕብያ ኣብ ዝነበረ ውግእ ኣብ እግሩ ተወቂዑ ናብ ገዝኡ መፀ ብድሕሪ እዙይ ኣብ ዓዱ ኮይኑ ሕኽምንኡ ተከታተለ ብምቅፃል ድማ ከም ብሓዱሽ ዝተጣየሸት ኣርሚ 15 ክፅምበር ወሰነ ምክንያቱ ኣብ ገዝኡ እናተሓከመ እናሃለወ እታ ፅንዓት ክፍለ ሰራዊት ናብ ማእከል ዓዲ ን ግዳጅ ፈጢና ስለዝከደት ድማ ከም ማረፂ ናብ ኣርሚ 15 ኮር 153 ብናይ ቀደም ስማ ገርዓልታ ብናይ ሕዚ ድማ መከተ ክንዲ 2 ትበሃል ኣሃዱ ተሓወሰ ብዳግማይ ድማ ኣቦ ብሬን ኣብ ሻለቃ 04 ሓይሊ 03 ኮይኑ ተሓወሶም ኣብ ዓዲ ኣምሓራ ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት ውግኣት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ ብፍላይ ብ ዕለት 05/03/2014 መሪር ውግእ ብምክያድ ኣብ ርእሱ ናይ ከቢድ ብረት ንጣር ተወቂዑ ኣብኡ ድማ ሻቡ ተሓኪሙ ናብ ብፆቱ ተሓዊሱ ተጋ ተወልደ ቀላዲ ሰሓቃይ ሓው ፈታዊ ኣክባሪ ሰብ ውፍይን ነበረ ድሕሪ ብዙሕ ናይ ተጋድሎ መስገደላት ድማ ብ ዕለት 28/03/2014ዓ.ም እታ መወዳድርቲ ኣልቦ እንኮ ሂወቱ ነቲ ዝፎቶን ዘክብሮን ህዝቡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ማእከል ዓዲ ኣምሓራ ፍሉይ ቦታ ስሪንቃ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ።