ገብረመስቀል ገብረስላሴ ጠማሎው

  • ትውልዲ ቦታ: ዓድዋ
  • ዕለተ‐ልደት: 01/01/1994 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 30/03/2014 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ጋሸና

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጅግና ተጋዳላይ ገ/መስቀል ገ/ስላሴ ጠማሎው ካብ ወለዲ ኣብኡ ኣይተ ገ/ስላሴ ጠማሎው ምህረት ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ፅጌ ሓጎስ ወ/ትንሳኤ ዕለት 01/መስከረም/1994ዓ/ም ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ሰላም ቑሸት ጉንያ ተወሊዱ። ዕድመ ቁልዕነቱ ምስ መሓዝቱ ቃርሳ እናተፃወተ ዝዓበየ ጅግና ተጋዳላይ ገ/መስቀል ገ/ስላሴ ጠማሎው ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1-8 ክፍሊ ኣብ ማይፃዕዳ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ካብ 9-12 ክፍሊ ኣብ ንግስተ ሳባ ዓድዋ ተማሂሩ። ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ክፍተን ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ልፍንታዊ ወራር ኣነ እናሃለኹ ኣደይን ሓፍተይን ኣይድፈራን፣ ኣቦይን ኣሕዋተይን ኣይሕረዱን፣ መንነተይ ኣሕሊፈ ንወረርቲ ኣይህብን ብምባል አብቲ ፀላኢ መላእ ትግራይ ተቖፃፂርሉ አብ ዝነበረ እዋን ጎቦታት ዓድዋን ኣሕፈሮምን አቋሪፁ ዕለት 3 ሚያዝያ 2013ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ማእኸል መሰልጠኒ ሰጉሕ 2 ሰሙን ሰልጢኑ። ምስ 2 ዓበይቲ ኣሕዋቱ ናብ ቃልሲ ዝወፈረ ጅግና ተጋዳላይ ገ/መስቀል ገ/ስላሴ ጠማሎው 2 ሰሙን ሰልጢኑ ኣብቲ ሽዑ እዋን ናብ ዝነበረት ኣርሚ 2 ተፀንበረ። ወርሒ ግንቦት 2013ዓም ኣብ ቆላተምቤን ጉያ ኣብ ዝበሃል ምስ ሰራዊት ሻዕብያ ናይ መጀመርያ ውግእ ዝጀመረ ሃርበኛ ተጋዳላይ ገ/መስቀል ገ/ስላሴ ጠማሎው እስካብ ሕልፈተ መስዋእቱ ልዕሊ 20 ከበድቲ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፋ እዩ። ካብ ዝተሳተፈሎም ከበድቲ ዓውደ ውግኣት የጭላ፣ መቐይሮ ነጥቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ፅዕፁዕን ንዓለም ዘደመመ ሰራዊትና መሬት ልሒሱ ኣብ ዝተልዓለሉ ሸውዓተ ሕጉም፣ ሃገረሰላም፣ ኣለማጣን ቆቦን ተኣምራዊ ጅግንነት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ 2013 ዓ/ም ፀላኢ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምውፃእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተገበረ ምትዕርራይ ኣርምታት ናብ ኣርሚ 22 ኮር 223 ክፍለ ሰራዊት ኣሕፈሮም ሻለቃ 2 ዲሽቃ ተካሽ ኮይኑ ኣብ ግንባራት ጋሸና፣ ክምር ድርባ፣ ስታይሽ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ብተለይ ኣብድሕሪ ምምላሰ ደብረዘቢጥ ኣብ ግንባር ጋሸና 01/01/2014ዓ.ም ዝነበረ ኩነታት ምስ ብፆቱ ሰራዊት ኣሕፈሮም(ኣይሰምዕን'የ) ኣዉደኣመት እዩ እሞ ሕቶ ዝሕረድ ዝብላዕ ጤል፣በጊዕ፣ደርሆ ኣምፁእልና ዝብል ዘይኮነሰ መፍሓሪ ድፋዕ ባዴላ፣ኣፍኲቱ ቸረቸር ሃቡና ብምባል ኣዝዪ ኣፀጋሚ ፈተናታት ክ/ሰራዊት ኣሕፈሮም(ኣይሰምዕን'የ) 81 መዓልታት ኣብ ጀቕጀቕ ረግረግ ድፋዕ ብምሓዝ ሰራዊት ትግራይ ብግንባር ደሴ-ደብረብርሃን ዝበፅሕ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ጅግንነት ሰሪሑ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ገ/መስቀል ገ/ስላሴ ጠማሎው (ድንኩል) ምዕባዩ ሓው ተጋዳላይ ገ/መድህን ገ/ስላሴ ጠማሎው ተወቒዑ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓወይ ተመሊሱ ዶ? ደሓን ዶ ኾይኑ? ኢሉ ደሃዩ ኣብ ዝጥይቐሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ጋሸና ናብ ስታይሽ ክፍለ ሰራዊት ኣሕፈሮም ግዳጅ ተዋሂብዋ ዕለት 30 ሕዳር 2014ዓ/ም ኣብ እትጋዓዘሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ካብ ድሮን ብዝተተኮሰ ቅንቡላ ምስ ብፆቱ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መበል 23 ዓመቱ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ። ስነ_ ስርዓት ቀብሪ ጅግና ተጋዳላይ ገ/መስቀልገ/ስላሴ ኣብ ኣላማጣ ኣብ ዝርከብ ጅምላ ናይ ስውኣት መቓብር ዕለት 30/ሕዳር/2014ዓም ተፈፂሙ።