ሓበን ደሳለይ ገ/ስላሴ

  • ትውልዲ ቦታ: መቐለ
  • ዕለተ‐ልደት: 23/11/1991
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 12/10/2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ፍሉይ ቦታ ከተማ ሰለ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ህይወት ታሪክ ጅግና ስውእ ተጋደላይ ሓበን ደሳለይ ገ/ስላሴ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ካብ ኣብኡ ኣይተ ደሳለይ ገ/ስላሴ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ብዕዱላ ሃይሉ ኣብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሓየሎም ተጠና 23 ሓምለ 23/11/1991 ዓ/ም ተወሊዱ፡፡ ኩነታት ኣተዓባብይኡ ድማ ልክዕ ከም ኩሉ ትግራዋይ ዕድሚኡ ንትምርቲ ምስኣከለ ኣብ ከተማ መቐለ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓየሎም ካብ 1-8 ክፍሊ ተማሂሩ። ቀፂሉ ድማ ካብ 9-10 ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍራ ኣብየት ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ፡፡ ካብዚ ብምቅፃል ልፍንታውያን ወረርቲ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ትግራዋይነት ካብ ገፀመሬት ንምጥፋእ ካብትን ካብትን ተኣካኪቦም ዘሎን ዘየሎን ሓይሎም ፀንቂቆም ኣብ ምሉእ ክባ ኣእትዮም ክጭፍልቁና ብምሕሳብ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ/ም ናብ በረካ ወፂኡ፡፡ ሕዳር 05/03/2013 ዓ/ም ናይ ሰራዊት ስልጠና ኦፒ ብምውሳድ በዚ ዕለት እዚ ናብ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ፍሉይ ቦታ ኣልዓሳ ተቀላቂሉ ምስ ኣሃድኡ ዝተውሃቦ ግዳጅ ክሳብ ናብ ሰራዊት ትግራይ ደባይ ዝቅየር ተልእክኡ እናፈፀመ ዝፀንሐ ጅግና ተጋዳላይ እዩ፡፡ ብተወሳኪ ውን ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ መንግስቲ ብዘውፅኦ መምርሒ መሰረት ህዝቢ ትግራይ ክበርስ የብሉን ብምባል ምስቶም ናብ ደባይ ዝወሰኑ ብዖቱ ኮይኑ ካብ ታሕሳስ 29/03/2013 ዓ/ም ጀሚሩ ብምንቅስቃስ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ፍሉይ ቦታ ሑመር ኣርሚ 01 መቐለ መካናይዝድ ከም ብሓዱሽ ክምስረት ከሎ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ኣባል እቲ መስራቲ ብምኳን እቲ ዝተውሃቦ ተልእኮ ንምፍፃም ድልው ኮይኑ እናሰርሐ ካብ በረካታት ተምቤን ከምኡ ውን ኣብ ኣስገደ ፅምብላ ፍሉይ ቦታ ደብረ ኣባይ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ዝተገበረ ሓያል ውግእ ንፀላኢ ዘደንገፀን ዘስደመመን ንሕብረተሰብና እውን ልዕሊ 80 ንፁሃን ብጭካነ ዝጨፍጨፈሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ውግእ እዚ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ዓብይ ተራ ተፃዊቱ እዩ። ብድሕሪ እዚ ጉዕዞ ናብ ዋልድባ መራሕትናን ሰራዊትናን ኣብ ክባ ዝኣተውሉ ግዜ ፀላኢ ኣብ ውሽጢ ክባ ኣእትዩና ካብ ዝነበረ ግዜ 72 ሰዓት ፀላኢ ግዜ ሂበኩም ኣለኩ ኢድኩም ሃቡ ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን ሰራዊት ምትዕረርራይ ኣድላይ ነይሩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ትሕቲ ዕድመን ዓበይትን ንቲ ተልእኾ ይኸብዶም እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሉ እዋን ብፆት ናብ ሕብረተሰቦም ክምለሱ ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ተመለስ ተባሂሉ ኣነ ኣይምለስን ወይ ድማ ናብ ዓደይ ኣይምለስን ብምባል ኣነ ምስ ብፆተይ ኮይነ ክጋደል እየ ኢሉ መስዋእቲ ክኸፍል እየ ሓሪኑ ዝወፀ ጅግና ተጋዳላይ ነይሩ።ብድሕሪ እዚ ኣብቲ ፀላኢ ከቢቡና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክባ ፈንፂሕና ንክንወፅእ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ዓብይ ተራ ነይርዎ እዩ። ካብዚ ሽግር ብምውፃእ ከም መቐለ መካናይዝድ ሓንቲ ዲሽቓ ብምዕጣቕ ጉዕዞ ናብ ቖላ ተምቤን ፀላኢ ናብ ዘለዎ ቦታ ብምንቕስቃስ እቲ ፀላኢ ንክፍሽል ብምግባር ብተወሳኺ ጉዕዞ ናብ ወረዳ ታ/ማጨዉ ጣብየማ/ዓፅሚ ፊርማ ዝተብሃለ ቦታ እታ ዝተዓጠቃ ድሽቃ ከም መቐለ መካናይዝድ ካብ 447 15 እናሃበ ዝነበረ ጅግና ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ካብዙይ ብምቕፃል ኣብ ጁዋማረ ንመጀመርያ ግዜ ወፍሪ ስዩም ዝተሰየመሉ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ልዑል ተራ ነይርዎ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብሓንቲ ዲሽቻ ሽዱሽተ ዲሽቓ ንክንዕጠቕ ካብ ዝገበሩ ብፆት እቲ ሓደ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ነይሩ። ብተወሳኪ ኣብ ወረዳ ተምቤን ፍሉይ ቦታ ጅጅቀ፣ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ፍሉይ ቦታ ግጀት ዓዲ ዕሽር ከምኡ እዉን ለካቲት 11/2013 ዓ/ም ኣብ ሳምረ ብምኽባር ብራያ ገይሩ ብዓፋር ተጓዒዙ ናብ መሬት ትግራይ ኣፅቢ ወንበርታ ኣብ ዝኣተናሉ ዓቕሚ ሰራዊትና ንምዕባይ ደኺሙኒ፣ ጠምዩኒ፣ ሰልቺዩኒ ከይበላ ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ዓብዩ ተራ ተፃዊቱ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝተኸበበሉ እዋን ን 64 ሰዓታት ብምጉዓዝ ካብዚ ብምብጋስ ናብ ቖላ ተምቤን ብምምላስ ናብ ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ድልውነት ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ልዑል ተራ ነይርዎ እዩ። ብተወሳኺ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ምስ ብፆቱ ኾይኑ እናተዋግአ ኣብ ወርሒ ሰነ 10/10/2013 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ምሸት ካብ ፀላኢ 3 መድፍዕን፣ 1 ዙን ብምምራኽን ዕለት 11/10/2013 ዓ/ም ንጉህ ሰዓት 1:00 ናብ ፀላኢ ደብዳብ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎ እዩ። ፀላኢ ኣብዚ እዋን እዚ ካበይ ዝመፀ 2 መድፍዕ እዩ ዝትኮሰኒ ዘሎ ብምባል ብፍላይ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ንድሕሪት ኣብ ዝፈረሰሉ (ዝሃደመሉ) ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ልዑል ተራ ነይርዎ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ብዕለት 11/10/2013 ዓ/ም ካብ ሰለ ቧምቧ ዝተብሃለ ቦታ ልዑኽ ተዋሂብዎ ናብ 7+ ሕጉም ኣብ እንቐሳቀሰሉ እዋን ምስ ፀላኢ ኣብ ዝተገበረ ውዕውዕ ኵናት ጅግና ተጋዳላያ ሓበን ደሳለይ ፅቡቕ ምንቕስቃስ ድሕሪ ምፅናሕ ብዕለት 12/10/2013 ዓ/ም ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብዚ ዕለት እዚ ከባቢ 5 ሰዓት ናይ ለይቲ ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ፍሉይ ቦታ ከተማ ሰለ ብጅግንነት ምእንተ ቤዛ ህዝቡ ክቡር መስዋእትነት ከፊሉ እዩ። ሙሉእ ስድራ ቤቱ፣ ቤተሰቡን ፈተውቱን ብጅግንነት ስውእ ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ብሽም ብፆቱን መራሕቱን ምፅንዕናዕ ንምነ። ጅግና ተጋዳላይ ሓበን ደሳለይ ልክዕ ኣብ 22 ዕድሚኡ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና !! ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን !!