ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ

  • ትውልዲ ቦታ: ኢሮብ
  • ዕለተ‐ልደት: 19/04/1994 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 10/01/2015 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ማይ ሓርማዝ - ሽራሮ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ሂወት ታርኽ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ) ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ) ካብ ወላዲኡ ኣይተ ወልዱ ኣብርሃ ሓጎስን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ኣብረሀት ኣብርሃ ገብሩን ብዕለት 19/04/1994 ዓ/ም ኣብ ዞባ - ምብራቕ፣ ወረዳ - ኢሮብ፣ ጣቢያ - ኣራዕ፣ ቁሸት - ካስዋ፣ፍሉይ ሽሙ ዳዳይት ኣብ ዝበሃል ቦታ ተወልዱ። ንወለዱ መኽበሪን ንኣሕዋቱ ምእዙዝን ዝነበረ ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ዕድመ ትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ምሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጋሌሎ ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብርሃም ንፉዕ፣ ተሸላማይ ተምሃራይ ነይሩ። ይኹን እምበር ትምህርቱ መጀመሪያ ብምኽንያት ሕማም ኮረና፣ ቀፂሉ ከዓ ብምኸንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወለዐ ኩናት ተቋሪፁ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዕን በደልን ማለት 'ውን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘበነ ሃፀያት ጀሚሮም "ህዝቢ ከም ህዝቢ ከጥፍኡ፣ ከበሳበሱን ክገዝኡን" ዝሓስብዎ ዝነበሩ "ሕልሚ ደርሆ" ሒዞም ብግልፂ እናፈፀሙን እናተግበሩን ዝመፁን፤ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዋላ 'ኳ እንተኾነ ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሮም ሕልሞም ንምስኻዕ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ደስ ዝብሎ ዩኒቨርስቲ ከይመሃር እናቐተሉን እናጨፍጨፉን፤ ዓበይቲ መራሕቲ መከላከያ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናቐንፀሉን መፂኦም እዮም። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ሓሊፎም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ 360 ዲግሪ ክባ ኣእትዮም፤ ምስ መሻርኽቶም ኮይኖም "ንህዝቢ ትግራይ ብኩሉ ገፅ ቀጥቂጦም ከም ብሄር ንምፅናት፣ መሬትና በቲን በቲን ትቐራሚቶም ሉኣላዊ ኣሰፋፍራና ንምጥፋእን ትግራይ ካብ ካርታ ዓለም ንምፍሓቕን" ኣብ ዕፁው ኣደራሽ ተማኽሮም፤ እቲ ኣርሜናዊ ኣተሓሳስባኦም ንምፍፃም ድማ ብዕለት 24/02/2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዕላዊ ወራር ፈፅሞም፤ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንከጥፍኡና ድማ ዝኸኣልዎ ገይሮም እዮም። ኣዴታትና ተደፊረን፣ ኣሕዋትና ተጨፍጭፎም፣ ኣሓትና ተዓሚፀን፣ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ቤት መቕደስ ተሓሪዶም፣ ገዳማትና ዓኒዮም፣ ኮታስ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ ኣይነበረን። ኣብዚ ግዜ እዙይ 'ዩ ነይሩ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ) "ኣነ እዚ ኹሉ ናይ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒን መከራን ኮፍ እለ እናረኣኹ፤ ህዝበይ ኣይነብዕን፣ ዓደይ ኣይትድፈርን፣ ሓፍተይ ኣይትዕመፅን" ዝብል ፅኑዕ ዕላማ ብዕለት 03/09/2013 ዓ/ም ምስ ስለስተ መሓዙቱ ኾይኑ ምስቲ ዘለዋ ኣፀጋሚ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ ተተሓሕዙ ብኣንፃራዊነት ካብ ፀላእቲ ነፃ ካብ ዝነበረት ትውልዲ ዓዱ ካብ ወረዳ ኢሮብ ጣቢያ ኣራዕ ተበግሱ፣ ብጉንዳ ጉንዶ ሰግሩ፣ ብማእኸል ፀላኢ - ብዕዳጋ ሓሙስ ሓሊፉ፣ ኣብ ክባቢ ኣፅቢ ናብ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ በፅሐ፡፡ ብሰዓቱ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠና ብብቕዓት ብምውዳእ ኣብ ኣርሚ 4፣ ኮር 3፣ ክፍለሰራዊት ሓኽፈን፣ ሬጀመንት 20 ተመዲቡ፤ተኳሲ ብሬን ብምዃን ናይ መጀመርታ ዓውደ-ውግእ ብሰነ 2013ዓ/ም ኣብ ናይ ወፍሪ ኣሉላ መወዳእታ መዓልታት ኣብ የጭላ ኣብዝነበረ ሓያል ውግእ ጀመረ፡፡ ኣብቲ ውግእ ካብ ፀላኢ በዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ከባቢ ፀጋማይ ብርኪ ኢዱ ንእሽተይ ናይ ቆርበት ምልሓፅ ኣጋጥሙዎ እኳ እንተነበረ ቀሊል ስለዝነበረ ናብ ሕክምና ምኻድ ከየደለዮ ተሎ ደረቐሉ/ሓወየሉ፡፡ ተጋ. ኣብርሃም ወልዱ ካብ ወፍሪ ኣሉላ ብምቕፃል እውን ክሳብ እታ ዝተሰወአላ ሰዓት ኣብ ተግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝተካየዱ ብዙሓት ከበድቲ ውግኣት ዝተሳተፈ እንትኸውን፤ ካብቶም ዝተሳተፈሎም ዓውደ-ውግኣት ዝተወሰኑ ብብፆቱ ከምዝስዕብ ይግለፁ። ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ኣሃዱኡ ብዕለት 12/11/2013 ዓ/ም ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ቦታ ኣውራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምስ ፀላእቲ ብምኩሻሕ ዕጥቁን ብሬኑን ሕዙ ፀላእቱ ሕረሕራይ ገበሮም፤ ፀላኢ እውን ብዝግባእ ተወቒዑ ብዝሕ ዝበላ ተሽከርከርትን መሳረሕታትን ሓንቲ (1) ታንክን ዝተማረኻሉ ግዜ እዩ። እቲ ዓወት እውን ብሰራዊት ትግራይ ተዛዘመ። ተጋ. ኣብርሃም ጅግና፣ ተባዕን መስተውዓልን ነበረ። በቲ ዝነበሮ ፍሉይ ትብዓትን ፀብለልታን ድማ ቀልቢ ብፆቱን መራሕቱን ብምስሓብ "ኣበይ ዝሰልጠነ ጅግና እዩ" ክብሉ ገለፅዎ። በዚ ድማ ካብ ደቂ ዕጡቅ ሰንበት ካብ ኢሮብ ዝተረኸበ ጅግና" እዩ ብምባል "ወዲ ኢሮብ" ተባሂሉ ሳጓ ተዋሂብዎ። ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ብፆቱ ኾይኑ ናብ ኣውራ ኣቲዩ ክልተ (2) መዓልቲ ፀንሐ። ካብ ኣውራ ድማ ንኣንፈት ጭፍራ ተጓዓዘ። ምስ ክንደይ ጋዕገልጠምን፣ ፀሓይ፣ ሃሩርን ቁሪን እናተሓዋወሰ ፀላኢ ንምጥፋእ ኣብ ጭፍራ በፅሐ። ካብ ዕለት 19/11/2013 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/11/2013 ዓ/ም ምስ ፀላእቱ ፊት ንፊት ይኳሻሕ ኣብ ዝነበረ ግዜ 'ዩ ንመጀመሪያ ኣብ ኢዱን ቅልፅሙን ( ቦምቢ) ከብድ መግዳእቲ ዘጋጠሞ። ፀኒሑ እውነ ኣብ ማሕጎፋኡን (ብስናይፐር) ቐሊል መጉዳእቲ ተውስኹዎ። ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ቑስሉ ንምሕዋይ ናብ ሕክምና እንትኸይድ፣ ኣሃዱኡ ድማ ካሊእ ግዳጅ ተዋሂባ ናብቲ መጀመሪያ ዝሓለፈቶ ኣውራ ከተማ ተመሊሳ ከባቢ ሓደ ወርሒ ተቐመጠት። ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ተወግአ ናብ ሆስፒታል ተላኢኹ ተሓኪሙ ውነ ምስ ሰርዐ ኣብ ወርሒ መስከረም ሕክምንኡ እንተይወደአ መሊቁ ናብ ኣሃድኡ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ከተማ ማይጨው ብሰራዊት ትግራይ ተታሕዙ ናብ ሕክምናኡ መቐለ ተመልሱ 'ዩ። ኣብ እዱ ዘይወፀ ሓፂን ስለዝነበሮ ከምኡ እውን ብዝጋጠሞ ናይ መትኒ መጉዳእቲ ክልተ ኣፃብዕቱ ድኻም ስለዝነበረን (ብናይ ሕክምና ኣፀዋውዓ፡ Ulnar Nerve Injury) ናይ ሕክምና ቆፀሮ ንመስከረም 27 ተውሃቦ። ተጋ. ኣብርሃም ግን እቲ ቆፀሮ ክሳብ ዝብፅሕ ሱቕ እለ ኣብ መቐለ ካብ ዝቕመጥ ንወለደይ ሰላም እለዮም ዘይምለስ ብምባል ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ናይ ሓፂር መዓልቲ ፍቓድ ወሲዱ፤ ብዕለት 14/01/2014 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኢሮብ/ጣቢያ ኣራዕ/ ተወልዱ ኣብ ዝዓበየሉ መረባ ብሃንደበት ደበኽ ብምባል፣ ደሃዩ ስኢኖም ኣብ ሻቅሎት ንዝነበሩ ስድራ ፍሉይ ታሕጓስ ፈጠረ። ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን መሓዙቱን ድማ ተራኽበ፣ ድሮ መስቀል ብምንባሩ ድማ ዕለት 16/01/2014 ዓ/ም "በዓል መስቀል" ብፍሉይ ድምቐት ተኸበረ። ከባቢ 4:00 ናይ ለይቲ ምስኮነን ዝተወሰኑ ኣባላት ስድራ ምድቃስ ምስጀመሩን ኣብርሃም ብለይቱ ገሰግሱ ከምዝኸይድ ተዛረበ። ኣባላት ስድራ ናብ ርብሽብሽ ዝበለ ስምዒት ኣተዉ፤ ናብራ ተጋዳላይ ከምኡ ተባህለ። በቃ! ስንብት ኮነ። ንሓንሳብን ንሓዋሩን እዩ እሉ ዝሓሰበ ግን ማንም ኣይነበረን። ብ 17 መስከረም፣ 2014 ዓ/ም ካብ ኢሮብ (ኣራዕ) ተበግሱ ናይ ሕክምና ቆፀሮኡ ንጎኒ ብምዳፍ ኣብ ኣልውሃ ናብ ዝነበረት ኣሃዱኡ ተፀምበረ። ብዘተገበረ ምትዕርራይ ድማ ኣሃዱኡ ብዕለት ኣርሚ - 44፣ ኮር - 443፣ ክ/ስራዊት - ሓኽፈን፣ ሬጅመንት - 20 ኮነት። ብዕለት 29/01/2014 ዓ/ም ድማ ምስ ኣሃዱኡ ኮይኑ ካብ ኣልዋሃ ብምብጋስ ንሓራን ሓሩን ዝተብሃላ ከተማታት ብምጥሓስ ናብ ከተማ ጭፍራ ተፀገዐ። ኣብ ከባቢ ጭፍራ ሶዶማ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዕለት 01/02/2014 ዓ/ም ምስቲ ፀላኢ ዝምካሓሉ ዝነበረን፣ ኣመራርሓ ብልፅግና "ጭፍራን መያዝ ማለት ኣዲስ ኣበባ መግባት ማለት ነው" እናበሉ ጉራ ዝነፍሑሉ ኣብ ዝነበሩ ቦታ ምስ ፀላእቱ ምኩሻሕ ጀመረ፤ ንከባቢ 5 (ሓሙሽተ) መዓልቲ ከቢድ ውግእ ተገብረ። ኣብዚ ግዚ እዚ ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ፀላኢ እናተኳሸሐ ኣብ ጭፍራ ንመባል ካልኣይ ግዜ ኣብ እግሩ መቁሰልቲ ኣጋጠሞ፤ እቲ መቁሰልቱ ንምሕዋይ ድማ ናብ ሕክምና ኣተየ። ኣብ ሕክምና ተሓክሙ ቁስሉ ኣሕውዩ ግን ዘይወፀ ሓፂን ኣብ ኢዱን ኢግሩን እናሃለዎ ድሕሪ መልሲ ምግባር፣ ብዕለት 26/04/2014 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ኣላማጣ "ሰሌን ውሃ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ሰራዊቱ ተሓወሰ። ኣብ ሰሌን ውሃ 'ውን ምስቲ ነባር ዓቕሚ ፅቡቅ ስራሑ ተራእዩ "ኣዛዚ ጋንታ" ሓላፍነት ተዋህበ። ንከባቢ 7 (ሸውዓተ) ወርሒ ጋንታኡ ሕዙ ኣብ ሓፀርቲ ስልጠናታት፣ ህንፀትን ዕጥቂ ምስጥጣምን ፀንሐ። ብዕለት 15/12/2014 ዓ/ም ካብ ሰሌን ውሃ ናብ ክልል ዓፋር ከባቢ "ያለው" ዝተብሃለ ቦታ ከቢድ ጉዕዞ እግሪ ተገብረ። ኣብዚ ግዜ ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ንክወሩን ንክዘርፋን ትልሚ ዘውፅኡሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ግን ከይተቐደመ ዝቐደመ እዩ ነይሩ። ዕለት 18/12/2014 ዓ/ም ፅርግያ መስመር ብምቁራፅ ሬጅመንት 20 ኣባላታን ኣመራርሓኣን ሒዛ፣ እኒ ተጋ. ኣብርሃም ፅርግያ ምሉእ ብምሉእ ቆረፃ ሓዙ፤ ፀላኢ ዝገብሮን ዝሓስቦን ጠፍእዎ ደርበሽበሽ ኣተዎ። ፀላኢ ብዝግባእ ተወቕዑ 2 መኪና እንትቃፀላ፣ 270 ምርኮኛን ብዝሕ ዝበሉ መሳረሕታት ተማረኹ። ኣብዚ ውግእ ጅግና ተጋ. ኣብርሃም ወልዱ (ወዲ ኢሮብ) ዓቢይ ተራ ዝነበሮን ጋንታኡ ሕዙ ዝተዋገአን ዘዋገአን ጅግና እዩ። እቲ ዓወት ዕለት 20/12/2014 ዓ/ም ብሰራዊት ትግራይ ተዛዘመ። ድሕሪ እቲ ውግእ ካብቲ ዝተዋገአሉ ቦታ ናብታ ንእሽተይ ከተማ "ያለው" ዕረፍቲ ንምግባር ተንቀሳቐሱ። ድሕሪ 3 መዓልቲ ካብ ያለው ብእግሪ ጉዕዞ ናብ ከባቢ ጨርጨር ተጓዓዙ። ብዕለት 30/12/2014 ዓ/ም ካብ ጨርጨር ብመኪና ጉዕዞ ናብ ከባቢ መቐለ "ምላዛት" ዝተብሃለ ቦታ ጉዕዞ ተገብረ። ካብ ምላዛት እውን ፀላኢ ንምጥፋእ ብመኪና ጉዕዞ ናብ ሰሜን ምዕራብ። "ዓዲ ሃገራይ" ዝተብሃለ ቦታ ብዕለት 01/13/2014 ዓ/ም ተበፅሐ። ካብ ዕለት 02/13/2014 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 9/01/2015 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ሽራሮ "ማይ ሓርማዝ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምክልኻል እናተገበረ ፀንሐ። ዕለት 10/01/2015 ዓ/ም ኣሃዱኦም ከም ኣሃዱ ናይ ምጥቃዕ ተልእኾ ተቐቢላ፤ ተጋ. ኣብርሃም ወልዱ (ወዲ ኢሮብ) እውን ጋንታኡ ሕዙ መጥቃዕቲ ጀመረ። ኣብዚ ዕለት (10/01/2015 ዓ/ም) ኣብ ከባቢ ሽራሮ "ማይ ሓርማዝ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እናተዋገአን እናዋገአን እናሃለወ ሃንደበት ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ከባቢ ደረቱ መውቃዕቲ ኣጋጥምዎ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለ ጅግና ተጋዳላይ እዩ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ)። ተጋ ኣብርሃም ወልዱ ኣዝዩ ርህሩህ ብፆቱ ዝፎቱን ሓላይን ነይሩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ብብፆቱ ኣንደበት እንትግለፅ ድማ፦ • ወዲ ኢሮብ ኣዝዩ ቆራፅ ጅግናን መስተውዓልን ነይሩ፤ • ወዲ ኢሮብ ውግእ ኣሎ እነተተባሂሉ ከዕርፍ ዘይደሊ፣ዓቕሉ ዝፀቦ፣ ኢድ ብኢድ ምስ ፀላኢ ዝራፀምን ንፀላኢ ልዑል መጥቃዕቲ ዝፍኑን ተዋጋኣይ እዩ ነይሩ፤ • ወዲ ኢሮብ ኣብ ውግእ ፀማም ተዋጋኣይን መዋጋኣይን እዩ ነይሩ። ፅናሕ፣ኣዕርፍ ኢልካዮ ዘይሰምዕ፣ናይ ባሩድ ዖዕታ ጨኒዎ ናብ ኩናት ጠጊጉ ዝኣቱ እዩ ነይሩ፤ ብምባል ብፆቱ ይምስክሩሉ። ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና!