ፀጋይ ትንሱእ ግርማይ

  • ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ሰላም ቁሸት ዓዲደስታ
  • ዕለተ‐ልደት: 03/05/1987
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 26/12/2014ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ቆቦ ሮቢት ከባቢ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተጋዳላይ ፀጋይ ትንሱእ ግርማይ(ወዲ ሓንታ) ካብ ኣቡኡ ትንሱእ ግርማይ ክሕሸን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ካሕሱ በየነ ደስታ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ሰላም ቁሸት ዓዲደስታ ብዕለት 03/5/1987ዓ/ም ተወሊዱ።ተጋዳላይ ፀጋይ ትንሱእ ግርማይ(ወዲ ሓንታ) ንትምህርቲ ዕድመ ምስ በፅሐ ካብ1ይ-8ይ ኣብ ዓ/ብረ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ ካብ 9ይ-12ተ ኣብ ማሾ 2ይ ብርኪ ተማሂሩ ንኮሌጅ መእተዊ ነጥቢ ረኺቡ ኣብ ውቕሮ ሕርሻ ኮሌጅ ትምህርተ ተኸታቲሉ እዩ።ተጋዳላይ ፀጋይ ትንሱእ ግርማይ(ወዲ ሓንታ) ናብ ናይ ግሊ ስራሕ ብምስምራይ ብሞያ ሽፌርነት ንባዕሉን ንስድርኡን እናሓገዘ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈተ ወራር ንምምካት ናብ ታዕሊም ብምውራድ ስልጠንኡ ድሕሪ ምውዳእ ናብ ኣርሚ 42 ኮር422 ክፍለ ሰራዊት 23/ቀለበት/ ሬጅመንት 3 ሓይሊ 1 ተፀምቢሩ ብምቕፃል ኣብ ዝተፈላለዩ ከከባብታት ምስ ብፆቱ ብምዃን ኣቦ ዲሽካ ኮይኑ ውግኣት ብምስታፍ ብዝለዓለ ወነ ተዋጊኣኡን ኣዋጊኡን።ብምቕፃል ከተማ ቆቦ ብምቁፅፃር ንሮቢት ድሽክኡ ብምሽካም ኣብ ጉዕዞ እናሃለው ካብ ድሮን ብዝተተኮሰ ቁምብላ ሰዓት 7:00 ዕለት 26/12/2014 ዓ/ም ኣብ 27 ዓመቱ ክብርቲ ሂወቱ ምእንቲ ህዝቡን ዓዱን ክብርቲ ሂወቱ ከፊሉ/ተሰዊኡ/።ተጋዳላይ ፀጋይ ትንሱእ ግርማይ(ወዲ ሓንታ) ኣስካሬኑ ኣብ ኣብ ከተማ ኣለማጣ መቓብር ሓርበኛታት ኣዕሪፉ ይርከብ።ተፈፂሙ።ክብርን ሞጎስን ንስማእታት ትግራይ።