ኣለማዩ ደስታ ታረቀ

  • ትውልዲ ቦታ: ሓይቂ መስሓል
  • ዕለተ‐ልደት: 1988
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 4 መስከረም 2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ኣፋፍ (022)

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተጋዳላይ ኣለማዩ ደስታ ታረቀ ኣብ መቐለ ዩንቨርስቲ ናይ computer and Electrical Engineering) 5ይ ዓመት ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ታዕሊም ወፅዩ።ድሕሪ ናይ ታዕሊም ፃንሒቱ ድማ ናብ ኣርሚ 44 ኮር 1 በቲ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ዓስርተ -ዒስራ እትምራሕ ዝነበረት ክ/ሰራዊት ደጀና በጦለኒ 2ተ ሓይሊ ኣርባዕተ ተመደበ። ተጋዳላይ ኣለማዩ ደሰታ (ኣሌክስ) ዝርከበላ ሓይሊ ብልኡኽ ኣብ ሰሜን ወሎ ዝርከብ ኣፋፍ ናብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቀሰትሉ እዋን ፀላኢ ነታ ኣሃዱ ምስ ከበባ ተጋዳላይ ኣሌክስ ምስ ውሱናት ብፆቱ ብምካን ንዝተረፉ ብፆቱ ንምድሓን ኣብ ዝነበረ ሓዝ ክሕዝ ግጥም 24 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣፋፍ (ዐ22) ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ቤዛ ብፆቱን መላእ ህዝቢ ትግራይን ብምዃን መተካእታ ዘይብላ ህይወቱ ብምውፋይ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።