መምህር ፀጋይ ፀሃየ ገብረሂዎት

  • ትውልዲ ቦታ: ማይቅነጣል
  • ዕለተ‐ልደት: 12/11/1988
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 30/1/2015
  • ቦታ መስዋእቲ: ዓዲ ዳዕሮ ፡ ፍሉይ ቦታ እንዳየሱስ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሂወት ታሪክ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ፀሃየ ገ/ሂወት ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ካብ ኣብኡ ኣይተ ፀሃየ ገ/ሂወትን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣብርሀት ግደይን ብዕለት 12/10/1988 ኣ,ግ ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ጣብያ እንዳፈላሲ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ኮዳ ኣብ ዝተባሃለ ተወሊዱ ዝዓበየ እንትኾውን ዕድመ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ማይቅነጣል ብምክትታል ብሄራዊ ፈተና ወሲዱ ፅቡቅ ውፅኢት ብምምፃእ 9ይን 10ይን ኣብ high school ቤት ት/ቲ ማይቅነጣል ተኸታቲሉ ማትሪክ ፈተና ወሲዱ ብምሕላፍ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ኮለጅ መምህርነት ስልጠና 2006 እስካብ 2008 ኣ.ግ ወሲዱ ብምህርነት ሞያ ተመሪቁ ። ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ፀሃየ ብፅባዩ ሙስጉን ፡ሙእዙዝ ፡ለዋህን ለባምን ፡ ኮታስ ምስ ኩሉ በቀሊሉ ዝተኣታተው ከም ዝነበር ናይ ቀርባ መታዓቢቱን እዕርክቱን ይምስክሩሉ። ተጋዳላይ ፀጋይ ብውፍይነት ኣብ ዝተመደበሉ ምምሃርን ምስትምሃርን ፍርያት ዓድን ሃገርን ዝኾኑ ዜጋታት እናፍረየ ዝነበረ ጅግና ወዲ ህዝቢ ነይሩ። ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ብትምህርቲ ዛኣምን ብሙካኑ ምስ ስርሑ ጎዳናጎኒ ናይ ደረጃ ትምህርቱ ንምምሕያሽ ኣብ ኣኩስም ዩንቨርስቲ ብስፖርት ሳይነስ ብድግሪ ፕሮግራም ራብዓይ ዓምት ይከታተል ነይሩ። ድሕሪ ብሞያ መምህርነት ኣብ ወረዳ ቦራ ስለዋ ቤት ትምህርቲ ዋዕሮብ ዶቃሊ እናሰረሐ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 2013 ኣ,ግ ከም ህዝቢን መንግስትን ዝተኣወጀና ጀኖሳይዳዊ ፅንተት ኵናት ኣነ እናሃለኩ እታ ወዓሮ ሓፍተይ:እቲ ጅግና ሓወይ ኮታስ ህዝበይ ኣይድፈር ብምባል ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ክፍለ ተዓሊም ወረዳ ማይቅነጣል ኣትዩ ስልጠና ወሲዱ እዩ። ስልጠና ተዓሊም ብምውዳእ ዕለት 17/01/2014 ኣ.ግ ናብ ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣርሚ 42 ኮር 3 ክፍለ ስራዊት ኣግኣዚ ተፀምቢሩ። ጅግና ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ፀሃየ እግረኛ ወይ ድማ ብሬን ሒዙ ኣብ ግንባር ጭፍራ :ግንባር ሚለ ከምኡ እውን ኣብ መልሲ ዝነበረ ኩሉ ግንባር ዓፋር እና ዞብል ተራራ ብጅግንነት ፊት ንፊት ምስ ፀላኢ እናተዋገአ ዝመፀ ተባዕ ተጋዳላይ ነይሩ። ብዝነበሮ ትምህርትን ጅግንነትን ተራኡዩ ካብ ታራ ተዋጋኢ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኣ.ግ ናብ ሬጅመት ኦፒሬተር ብምዕባይ ታራ ኦፒሬተርን መተሓባበሪ ኦፒሬተርን ኮይኑ ክሳብ ውግእ ግንባር ቆቦ ዝስበር 23/12/2014 ኣ.ግ ብጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ብምቅፃል ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ፀሃየ ድሕሪ እዚ እውን ብዝነበሮ ጥንካረ ካብ መተሓባበሪ ሬጅመንት ኦፒሮተር ናብ ክፍለ ሰራዊት ኦፒሬተር ብምዕባይ ኣብ ግንባር ተክሎች ዓዲ ኣምሓራ ኣብ ግንባር ምዕራብ 1ይ ፀሊምይ 2ይ ፀሊሞይ ዓዲ ዳዕሮን ብሞያ ኦፒሬተር ግዳጁ ብውሕሉል ጅግንነት እናፈፀመ ዝመፀ ጅግና ተጋዳላይ ነይሩ። እዚ ኩሉ ቅያን ታሪክን ንዓዱን ንህዝቡን እናሰረሐ ዝመፀ ጅግና ተጋዳላይ መምህር ፀጋይ ፀሃየ ገ/ሂወት ኣብ ኣርሚ 42 ኮር -3 ወይ ድማ ኳርተር ክ/ሰራዊት ኣግኣዚ ብሞያ ኦፒሬተር ኮይኑ እናሰረሐ እናሃለወ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ቁሽት ጉቦታ ዝተባሃለ ፍሉይ ቦታ እንዳየሱስ ብዕለት 30/01/2015 ኣ.ግ ከባቢ ሰዓት 9:00 ኣብ መበል 26 ዓመቱ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ሞርታር ቁምቡላ ተወቂዑ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ሓሊፉ እዩ። እነሆ ካልኣይ ስንስርዓት ቀብሩ ድማ ዕለት 29/1/2016 ኣ.ግ መላእ ስድራቤቱን ናይ ቃልሲ መሓዝቱን ኣብዝተረከብሉ ኣብ ደብር ቁድሳን እንዳ መድሃኒኣለም ቤተክርስቲያን ተፍፂሙ። ንኩሎም ስድራቤቱን ብፆቱን ድማ ፅንዓት ይሃብኩም ። ጀግና ታሪክ ይስርሕ እምበር ኣይነብርን ክብርን ሞጎስን ንኩሎም ስማእታትና !