ፍታዉ ኣብርሃ ሃ/ስላሴ

  • ትውልዲ ቦታ: ፅራእ/ክልተ ኣዉላዕሎ
  • ዕለተ‐ልደት: 19/06/1995
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 28/03/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ምዕራብ ወሎ ካባቢ ወገል ጤና

ሓፂር ሂወት ታሪክ

✅ሓፂር ሂወት ታሪክ ተጋዳሊት ፍታው ኣብርሃ ሃ/ስላሴ ተጋዳሊት ፍታው ካብ ኣቦኣ ኣይተ ኣብርሃ ሃ/ስላሴ ሓጎስ ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ብርሃን ፍትዊ ተኽለ ብዕለት 18/06/1995ዓ/ም ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣብያ መሳኑ ቑሸት ብርኪ ተወሊዳ ዝዓበየት እንትኸዉን ዕድሜኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለት ናይ ቀደማይ ብርኪ ትምህርታ ኣብ ብርኪ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተኸታቲላ ብፅቡቕ ዉፅኢት ናብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣጉላዕ ብምስግጋር ካብ 9ይ ክፍሊ ክስካብ 11ክፍሊ ፅቡቕ ዉፅኢት ብምምዝጋብ ናይ 12ክፍሊ ትምህርታ ከምቀደማ ፅቡቕ መእተዊ ነጥቢ ንምምፃእ ለይትን ቀትርን ኣብ ምክትታል ትምህርታ ልዑል ትኩረት ሂባ ኣብ ትመሃረሉ እዋን ነይሩ ፋሽሽት ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ መላፍንቱ ዲክታተር መንግስቲ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ትምክሕተኛታት ሓይልታት ኣምሓራ ከምኡ ድማ ካብ ዓረብ ኢሚሬት ብዘምፅኡወን ድሮናትን ቑምብላታትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሰፍ ዘይብል ግፍዒ መርሸንትን ጠቅሊሉ ትግራዋይ ዝበሃል ካብ ገፀ-ምድሪ ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ንዝኣወጅዎ ኣዋጅ ዘርኢ ምፅናት ንምምካት ጅግና ተጋዳሊት ፍታው እዉን ምስ መተዓብይታን ብፆታን እጃማ ንምዉፋይ መርሸንቲ ተጋሩ የብቅዕ ትግራይ ብደቃ ትከበር እምቢ ንመግዛእቲ ፋሽሽታዉያን ትግራይን ኣደ ትግራይን ኣይትድፈርን ሂወተይ ንነፃነት ዓደይ ኢላ ብምጭራሕ ብዕለት 19/10/2013 ዓ/ም ናብ ኣጉላዕ ማእኸል መሰልጠኒ ሰራዊት ትግራይ ብምፅንባር ስልጠንኣ ብዝግባእ ድሕሪ ምጥንቓቓ ናብ ኣርሚ 24 ኮር 3 ሻለቃ 4 ሓይሊ 2 ተፀምቢራ ወታደራዊ ኮማንድ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ፀላኢ ንምድምሳስ ብዘዉፅኡዎ ወታደራዊ ተልእኾ ተሓንጊጣ ብጅግንነት ክስካብ ወረ ኢሉ ገብረጉረቻ ከባቢ ምስ ሽሾ ሰራዊት ፀላኢ እናተፋለመት ፀኒሓ ካብኡ ድማ ናይ ሓይሊ ሰብ #ምሕደራ ስራሕቲ ምድብ ስራሕ ተዋሂብዋ ሰራዊታ ሓብሒባን ሓይሊ ሰባ ተቖፃፂራን ብምኻድ መተካእታ ዘይብሉ ዉሕሉል ጅግንነት እናሰርሐት ድሕሪ መፅናሕ መንግስቲ ትግራይን ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይን ንድሕሪት ተመለሱ ኢሉ ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት ሰራዊት ትግራይ ንድሕሪት ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ፋሽሽት ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ካብ ቱርክን ዓረብ ኢምሬትን ብዘምፀአን ድሮናትን ቁንብላታትን ጅግና ሰራዊትና እናተደብደበ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ኣብ ምዕራብ ወሎ ከባቢ ወገል ጤና ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዕለት 28/03/2014ዓ/ም ፀላኢ ብዝፈፀሞ ደብዳብ ድሮን ብዝበፅሐ ናይ ፀላኢ መጥቃዕቲ ንዝወፀትሉ ዕላማ ጅግንነት ፈፂማ ጥዋፍ ኮይና በሪሃን ብኽብሪ ተሰዊኣን እያ! ጅግና ታሪክ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን! መንግስተ ሰማያት ንጅግና ተጋዳሊት ፍታው ኣብርሃ! ፅንዓት ንመላእ ቤተሰብ ህዝቢ ትግራይን ንሰራዊት ትግራይን! ክብርን መጎስን ምእንቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኢሎም መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ሂወቶም ዝገበሩ ስዉኣትና! ትግራይ ትስዕር!