ክብረኣብ መብራህቶም ዘሪሁን

  • ትውልዲ ቦታ: ዞባ ምብራቕ፡ ወረዳ ጉለ መኸዳ፡ ከባቢ ደብረ ዳሞ
  • ዕለተ‐ልደት: 05 ነሓሰ 1989
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 09 ጥቅምቲ 2015
  • ቦታ መስዋእቲ: ሰለኽለኻ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጅግና ተጋዳላይ ክብረኣብ (2Pac) ካብ ኣቡኡ ኣቶ መብራህቶም ዘሪሁንን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ስላስ ገ/ፃድቃንን፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ወረዳ ጉሎ መኸዳ፡ ጣብያ ክሳድ ማዕተብ፡ ብዕለት 05፡ ወርሒ ነሓሰ፡ 1989 ዓ.ም ተወሊዱ። ተጋ. ክብረኣብ፡ ትምህርቱ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ድሕሪ ምክትታል ናብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ ናብርኡ እናመርሐ ፀኒሑ፡ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጅዎ ፅንተታዊ ኵናት ንምምካት ብዕለት 29 ጥሪ 2013 ዓ.ም ስራሑ ብምቁራፅ ናብቲ መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ተፀምቢሩ። ተጋ. ክብረኣብ፡ እኹል ዝበሃል ስልጠና ከይወሰደ ናብ ኣርሚ 31፣ ኮር 313፣ ክፍለ ሰራዊት ኣሞራ (38)፣ ሬጅመንት 4 (ፈንቅል) ኣብ ከባቢ ማይ ተኽሊ ተሓዊሱ። ብዕለት 26 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ግረዓራስ ዝተብሃለ ቦታ ድማ ፊላማይ ውግኡ ሀ ኢሉ ብምጅማር ክሳብ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለላ ዕለት ኣብ ቡዙሓት ዓውደ ውግኣት ብምስታፍ ዝለዓለ ጅግንነት ፈፂሙ እዩ። ኣብ 2013 ዓ.ም ዝተሳተፈሎም ውግኣት፡ * 01 ሚያዝያ ኣብ በራቒት * 06 ሚያዝያ ኣብ ጤቃ * 14 ሚያዝያ ኣብ ግረዓራስ * 29 ሚያዝያ ኣብ ድጉም * 08 ሰነ ኣብ ኣግበ (ምቅማጥ ነፍጠኛ) * 11 ን 12 ን ሰነ ኣብ ዶግዓ ተምቤን (እንዳ ማርያም ቆራሮ) ተጋ. ክብረኣብ ኣብቲ ነጥቢ መቀይሮ ዝነበረ ወፍሪ ኣሉላ ምስ ብፆቱ ብምስታፍ ዘኹርዕ ቅያ ሰሪሑ እዩ። ኣብ 2014 ን 2015 ዓ.ም ዝተሳተፈሎም ውግኣት፡ * 01 - ዐ7 ጥቅምቲ ኣብ ሰሜን ወሎ (ከባቢ ጎቦ ኣምባሰል) * 15 ጥቅምቲ ኣብ ቦሩሜዳ * 18 ነሓሰ ኣብ ጎቦ ዞብል * ካብ 03 ጳጉሜን 2014 - 16 መስከረም 2015 ኣብ ፀሊሞይ * ካብ 20 መስከረም - 09 ጥቅምቲ ካብ ከባቢ ዛግር ክሳብ ሰለኽለኻ ጅግና ተጋ. ክብረኣብ፡ ኣብዘን ናይ ቃልሲ እዋናት 3 ግዜ መቁሰልቲ ገጢምዎ ነይሩ። ፈላማይ ብ 14 ሚያዝያ 2013 ኣብ ግርዓራስ፡ 2ይ ብ 15 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ቦሩሜዳ፡ 3ይ ብ 16 መስከረም 2015 ኣብ ፀሊሞይ እየን። ተጋ. ክብረኣብ ብፍላይ ኣብ ፀሊሞይ ኣብ ዝነበረ ውግእ፡ ምስ ዘጋጠሞ መቁሰልቲ ክዋጋእ ሓዲሩን ውዒሉን እዩ። ተጋ. ክብረኣብ ካብ ሓይሊ ፐርሶኔል ክሳብ ናይ ሬጅመንት ሎጂስቲክስ ብምዃን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ተጋ. ክብረኣብ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ኣብ ከቢድ ቃልሲ እናሃለወ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ሞርታር ብዕለት 09 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ መበል 26 ዓመቱ ኣብ ሰለኽለኻ ብክብሪ ተሰዊኡ። ተጋዳላይ ክብረኣብ ኣብ ቃልሲ ኣብዝፀንሓሉ ግዜ ብዝነበሮ ሰናይ ባህሪ ይፍለጥ ነይሩ። ካብ ቡዙሓት መግለፂታቱ ፡ ፈታዊ ፀወታን ሰሓቕን፡ ን ዓዱን ብፆቱን ልዑል ኽብሪን ተገዳስነትን ዝነበሮ፡ ን ብፆቱ ሸክሚ ዝሕግዝ፡ ንጉዱኣት ብፃቱ ልዑል ሓልዮት ዘርኢ ምንባሩ ምጥቃስ ይከኣል።