
ሳሮን ሳምሶን በርሀ
- ትውልዲ ቦታ: ዓድዋ
- ዕለተ‐ልደት: 03/09/1995
- ዕለተ‐መስዋእቲ: ጥቅምቲ 09/2014 ንጉሆ ሰዓት 4
- ቦታ መስዋእቲ: ሃይቅ ጋፋር ሓሊፍካ ዘለው ገጠራት
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሳሮን ዕለት 03 ጉንበት1995 ዓ ም አብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ።ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ አኸለ አብ ዓድዋ አብ ኬጂ ትምህርቲ አትዩ እስካብ 4ይ ተማሂሩ።ብድሕሪኡ ናብ አዲስ አበባ ናብ ወላዱት እንኡ ብምኻድ ሓምሻይን ሻድሻይን ሳፋሪ አብ ዝበሃል ት/ቤት ተኸታቲሉ። ካብ 7ይ ካሳብ 10ይ መቀለ መሰቦ አብ ዝበሃል ት/ቤት እናሃለወ ኩናት ጆነሳይድ ተወሊዑ። ናብ ዓድዋ ብምኻድ አብ ነሓሰ ወርሒ 2013 ዓ ም ናብ ታዕሊም ወሪዱ።