በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም

  • ትውልዲ ቦታ: ዞባ ሰ/ምዕራብ፣ ወረዳ ፅምብላ ፣ጣብያ ሚዛን ፣ቁሸት አርዓዳ
  • ዕለተ‐ልደት: 27-07-1989 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 30-04-2014ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ዋጃ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓቀኛ ሂወት ታሪክ ጅግና ስውእ ተጋዳለይ ኮ/ዶ በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም ሳጓ ዕቡይ፤ ተጋዳላይ ኮ/ዶ በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም ካብ ኣብኡ ነጋሽ ገ/ማርያም ተስፋይ ፣ካብ አዲኡ ወ/ሮ ይብራለም ገ/ተንሳይ ብዕለት 27-7-1989 ዓ/ም አብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ፣ወረዳ ፅምብላ ፣ጣብያ ሚዛን ቁሸት አርዓዳ ተወሊዱ። ዕድመ ትምህርቲ ምስ አኸለ ናብ መኣዲ ት/ቲ አትዩ ካብ 1ይ-8ይ ክፍሊ አብ ከተማ ዓዲገብሩ ፣ካብ 9ይ-10ይ ክፍሊ ዶማ ኣብ ከተማ እ/ጉና ተማሂሩ ። ም/ሳጅን ተጋዳላይ ኮ/ዶ በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም ብዕለት 23-03-2008 ዓ/ም ናብ ማ/ል መሰልጠኒ ጦላይ አትዩ። ተ/ይ ኮ/ዶ በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም ንተኸታታሊ 9ተ ወርሒ ሰልጠና ብምውሳድ ብዕለት 30-11-2008ዓ/ም ተመሪቁ ወፂኡ። ብዝነበሮ ብቅዓትን ጅግንነትን ተመሪፁ ናብ ፀረ-ሽብር አ/አበባ ተመዲቡ።ካብ ተራ አባል ናብ መስርዕ አዛዚ ብዝነበሮ ብቅዓትን ስራሕ አፈፃፅማን ተዋሂቡ፣ ብምቅፃል ናብ ጋንታ አዛዚ ዓብዩ፣ብድጋሜ ናብ መሰልጠኒ ት/ቲ ቤት ብላቴ ብምእታው ንተኸታታሊ 8ተ ወርሒ ሙሉእ መሰረታዊ ኮ/ዶ ሰልጢኑ ብዕለት 08-07-2010 ዓ/ም አትዩ ብዕለት 07-04-2011ዓ/ም ተመሪቑ። ተ/ይ ኮ/ዶ በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም ካብ 2008-2011 ዓ/ም ፀረ-ሽብር ከይኑ አገልጊሉ እዩ። ብምቅፃል ብኢትዮጵያ ናብ እስርቤትን ምቅታልን ንትግራዋይ ዝብል ዘመቻ ምስተከፈተ ብዕለት 07-04-2011 ዓ/ም ናብ ትግራይ መፂኡ አብ 101 ግብረ- ሓይሊ ቤርጌድ- 11 አ/ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ ።ብምቅፃል አብ ትግራይ ንዝተወለዐ ጀኖሳይዳዊ ኹናት ካብ ዕለት 24-02-2013 ዓ/ም ዝጀመረ ኹናት ካብ ባዕከር፣ራውያን፣አደባይ ፣እድሪስ፣ተከዘ፣ሸመልባ ፣ዛግር፣ ዓ/ነብሪኢድ፣ዓ/ዳዕሮ ፣ሽረ ፣ሰለኽለኻ ፤ውቅሮ ማራይ ፣ምፍልላይ ፣ሓውዜን ፣ዳጉም ፣ነጋሽ ፣አጉላዕ ፣አልዓሳ ፣ሃ/ሰላም ፣ወርቂ አምባ ፣ወርዒ ፣አቅመጅራ፣ ሰመማ ፣ዛና ፣ድጉሚ ፣ አፍጋሕጋሕ ፣ቺሊን ባምበን ብፍላይ አብ ባምበ ብፀላኢ ተኸቢቡ ኣንፃር ፀላኢ ዓወት ሒዙ ወፂኡ እዩ ። ዝማረክ ማሪኹ ዝርሸን ረሺኑ ብሬን ፣ረዳት ብሬንን ምስ ሸንሸሉ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ብጀ/ል ምግበይ ሃይለን ካልኦትን ናይ ክብሪን ናእዳን ምስጋና ረኺብሉ ዩ።ብተወሳኺ ብዕለት 27-08-2013 ዓ/ም ኣብ ግጀት ተወቂዑ ናብ ሕክምና መቀለ አትዩ ተሓኪሙ ድሕሪ ምውፃእ ድማ ብዕለት 27-01-2014 ዓ/ም ናብ ማ/ል መሰልጠኒ ኮ/ዶ ላጪ አሰልጣኒ ብምዃን ተመዲቡ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ብዕለት 23-03-2014 ዓ/ም ሬ/ት ኣዛዚ ኮይኑ ሬጅመንት ሒዙ ኣብ ጭፍራ፣ ቀሰ ፣ ዋጃን ጥሙጋን አዛዚ ሬ/ት ኮይኑ አዋጊኡን ተዋጊኡን ብዝገርም ብቅዓትን ጅግንነትን ዩ። ብዕለት 30-04-2014ዓ/ም ኣብ ዋጃ ተወቂዑ ተሰዊኡ። ዝተቀበረሉ ፉሉይ ቦታ ኣብ ዋጃ ፃዕዳ ሓመድ ወይንዳ ጀወርግስ ቤተ ክርስትያን ተቀቢሩ። ✔ስውእ ጅግና ተጋዳለይ ኮማንዶ በለጠ ነጋሽ ገ/ማርያም (ዕቡይ) ✔ኣርሚ 50፣ኮር 502፣ ክ/ሰራዊት-ሐደ ፣አዛዚ ሬጅመንት -1 ወይ ሬጅመንት -3 ኮይኑ ዝተሰወአ ።