
ፍትሓዊ ታከለ ገ/ሚካኤል
- ትውልዲ ቦታ: ኣኽሱም
- ዕለተ‐ልደት: 29/04/1993
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 18/02/2014
- ቦታ መስዋእቲ: ኩታበር-ደሴ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ሓፂር ሂወት ታሪክ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ካብ ኣብኡ ኣይተ ታከለ ገብረሚካኤ ገብረኣብዝጊን፣ ካብ ኣዲኡ ወሮ ንግስቲ ወልደኣረጋይ ተላን ብዕለት 29/04/1993 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዞባ ማእከላይ፣ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ፣ጣብያ ማህበረ ሰላማ፣ ከተማ ማህበረዴጎ ተወሊዱ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስ በፅሐ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ መሉእ ቀዳማይ ብርኪ ማይጉንዲ ብዝለዓለ ፀብለልታን ላዕለዋይ ተሸላሚን ብምኳን ተማሂሩ። ብምቅፃል ድማ ናይ 2ይ ብርኪ ትምህረቱ ኣብ ደብረቃል ትምህርቲ ቤት ትምህርቱ ብምቅፃል ኣብኡ እዉን ክሳብ 10ይ ክፍሊ ብዝለዓለ ዉፅኢት ተሸላሚ ብምኳን እናተመሃረ ፀኒሑ አዩ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ኣብዚ ክሊ ትምህርቱ ኩነታት እናሃለወ ነቲ ብፀላኢ ዝመፀ ግፍዓዊ ጨፍጫፍን ዘረኢ ምፅናትን ዝነበሮ ፅልኢት ብምርዳእን፣ ነቲ ብፀላእቲ ዝተኣለመ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ኲናት ቀዲሙ ብምርዳእን፣ ዝለዓለ ወነን ህልክን ብምሓዝ፣ “ኣነ እናሀለኩ ህዝቢ ትግራይ ኣይስኮንን፣ ኣዶ ትግራይ ኣይትነብዕን ፣ሓፍተይ ኣይትድፈርን፣ መንእሰይ ትግራይ ኣይሕረድን” ብምባል ኣነ “ንዓደይን ንህዝበይን ክብል ክቀለስ እየ” ብዝብል ሰነ 2013 ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ተፀምቢሩ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ኣብ ፃፅለን ማይቅነጣልን ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምውሳዱ ናብ ኣርሚ 24፣ ኮር 03፣ ኣሞራ ክፍለ ሰራዊት፣ ሻለቃ ሓደ ዝተፀምበረ እንትከዉን ካብታ ናብ ኣሃድኡ ዝተፀምበረላ ዕለት ጀሚሩ ንፀላኢ ግንባር ግንባሩ እናፀፍዐ ብ7ሕጉም፣ የጭላ ዝነበረ ፀላኢ ብምድምሳስን ናብ ደቡባዊ ግንባር ጋሸና ብምግስጋስን ኣብ ጋይንት፣ ጉና ተራራ ደሳዬ፣ ደብረታቦርን ብዝለዓለ ናይ ተጋዳላይነት ወነ፣ ጥሜት፣ ቁሪን፣ ከባብያዊ ሓይሊን ብምፅዋር “ኣጆኩም ብፆት፣ ኩሉ ክሓልፍ እዩ፣ ትግራይ ትስዕር” እናበለ መራሒ መስርዕን ክላሽ ተኳሲን ብምኳን ታሪክ ዘይርሰዖ ፍሉይ ታሪካዊ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ። ካብዚ ብተወሳኪ እዉን ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ኣብ ደብረዘቢጥን ንፋስ መዉጫን ኣብ ዝተገበረ ከቢድን ህልክ ዘወድእ ዉግእን ዝለዓለ ታሪክ ብምስራሕ ኣብዚ ዓውደ ዉግእ እዙይ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝተደምሰሰሉ ግዜ ምስ ሰራዊቱ ኮይኑ ተኣምራዊን መስደመምን ታሪክ ሰሪሑ ብዓወት መሰስ ኢሉ እዩ። ካብዚ ብምቅፃል እዉን ኣብ ኣዉን ተገኝ ዝበሃል ቦታ ብዕለት 03/13/2013 ኣብቶም ሕሉፋት ዓዉደ ዉግኣት ፍሉይ ጅግንነት መሪሕነትን መስተክራዊ ዓወታትን ብምምዝጋቡ ምክንያት ካብቲ ዝነበሮ መሪሕነት ሓደ ብርኪ ብምውሳክ መራሒ ጋንታን ብሬን ተኳሲን ብምኳን ነቲ ብደሴ ግንባር ጋሸና ክቆፃፀር ዝመፀ ወራሪ ሓይሊ ብልዑል ተቀላሳይነት ተዋጊኡን መሪሑን ነቲ ዝመፀ ፀላኢ ሕርሕራይ ከብሎን ሙሉእ ንሙሉእ ክድምሰስ ጌሩ እዩ። ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ነቲ ፀላኢ ብዕለት 04-05/13/2013 መቀለ ንምቁፅፃር ብዝብል ዝከፈቶ ሓዱሽን ዕስለ ሰራዊት፣ ፋኖን፣ ምልሻ ኣምሓራን ተሰሊፎም ብግንባር ላሊበላ ዝመፅሉን መጥቀዕቲ ብምምካት ኣብ ኣይነ በጉያን ቆብን ዝበሀላ ከተማታት ፀላኢ ፎቆዶ ሽንጥሮታት ክበታተን ብምግባር ኣብዚ ዓውደ ዉግእ ኣዝዩ ብዙሕ ወተሃደር ፀለኢ ምስ ብዙሻት ሃፍትታቱ ክማረኽ ጌሩ እዩ። ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ደሓር እዉን ብጥቅምቲ 03-05/2014 ብድጋሚ ብጭፍራ ገይሩ ንመቀለ ንምሓዝ ተሃንዲዱ ዝመፀ ፀላኢ ናይ ዓፋር ከቢድ ሙቀት፣ ጥምየትን ፃምእን ብምፅዋር ፀላኢ ኣብ ዘለዋ ኣብ ጭፍራ ንክድምሰስ ዝለዓለ ገደ ጌሩ እዩ። ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ኣብቲ ፀላኢ “ንደሴ ኣይሕዙዋን ፣መቅበሪቶም እያ” ኢሉ ኣብ ዝፈከረሉ እዋን እዉን ብዕለት 15-18/02/2014 ኣብኩታ በር ዓሪዱ ዝነበረ ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ ኣብ ታሪክ እቲ ዉግእ እቲ ዝለዓለ ዉፅኢት ኣብ ዝተመዝገበሉን ጅግና ሰራዊት ትግራይ ንደሴ ኣብ ዝቆፃፀረሉን እዋን ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ዓረር ብዕለት 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ 21 መበል ዓመቱ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ክብል ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ዘይሓልፍን ዘይሃስስን ድሙቅ ታሪክ ብደሙ ፅሒፉ፣ ክቡር መስዋእቲ ሂወቱ ከፊሉ እዩ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ኣላማጣ እንዳየሱስ ቤተክርስትያን ብክብሪ ዓሪፉ እዩ። ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ካብታ ናብ ዓውደ ግንባር ዝተፀምበረላ ጀሚሩ ብዘይ ምንም ዕረፍቲ ኣብ ኣዝዮም ብዙሓት ግንባራት ዝተዋግአን ታሪክ ዘይርሰዖም ዓወታት ዘመዝገበን እንትከዉን ካብቶም ብዓወት መሰስ ዝበለሎምን ዝተዋገኣሎምን ዓውደ ግንባራት ዝተወሰኑ ንምግላፅ ዝኣክል ሸዉዓተ ሕጉም፣ የጭላ፣ በሪ ተክላይ፣ ላሊበላ መሰመር፣ ኣብይጋራ፣ ኣዲስጌ፣ ጎፍጎፍ፣ ንፋስ መዉጫ፣ ጉና ተራራ፣ ዳሳዬ፣ ደብረታቦር፣ ደብረዘቢጥ፣ ገረብገራ፣ ጋሸና፣ አዉንተገኝ፣ ቀበሮ ሜዳ፣ ጭፍራ፣ ደላንታ፣ ኩታ በርን ካልኦት ብዙሓት ኣብዚ ዘይተገለፁን እዮም። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል ትሑት፣ መክበሪ ሰብ፣ ሰሓቂን ተፃዋቲን፣ ፈታዊ ዓዱ፣ ፈታዊ ወለዱ፣ ፈታዊ ኣሕዋቱ ኣዕርክቱን መተዓቢቱን፣ መክበሪ ብፆቱ፣ ጅግናን ብሉፅ ተኳሳይን ተዋጋኣይን ነይሩ። ንስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ፍትሓዊ ታከለ ገብረሚካኤል መንግስተ ሰማያት የዋርሶ። ንመላእ ቤተሰቡ ብፆቱን መተዓቢቱን ድማ ፅንዓት ይሃብኩም። ጅግና ታሪክ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን ክብርን መጎስን ምእንተ ህዝቦምን ዓዶምን ኢሎም ክቡር ሂወቶም ንዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታት