ዳኒኤል ሃይለ ወልደገብሪኤል

  • ትውልዲ ቦታ: መቐለ
  • ዕለተ‐ልደት: 1 ሐምለ 1992
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 16 ሓምለ 2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ዓዲ ኣርቃይ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ዳኒኤል ሃይለ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ሃይለ ወልደገብሪኤልን ኣዲኡ ወይዘሮ ይብራ ኣብርሃን ብ 1 ሓምለ 1992 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ። ዳኒኤል ካብ ብጉሓቱ ንዕሸል ዕድሚኡ ናብ ምግዳል ዝተፀምበረ ውፉይ ወዲ ህዝቢ እዩ። በዝሒ ተሳተፎ ተጋሩ ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር እንዳውሓደ እንተኸይዱ ንዓና ሓደጋ እዩ ኢሉ ዝኣምን ዳኒኤል ናብ ዩኒቨርሲቲ ምእታው ሓዲጉ ናብ መሰልጠኒ ምክልኻል ሃገር ኣተወ። ካብ ማእኸል መሰልጠኒ ብር ሸለቆ ብዝለዓለ ውፅኢት ተመሪቑ፣ መጋቢት 2010 ዓ/ም ናብ ፍሉይ ኮማንዶ ኣግኣዚ ክፍሊ ስለላ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንዳሰርሐ ድሕሪ ምፅናሕ ብ2011 ኣብ ሰራዊት ዝትፈጠረ ምግምማዕን ብፍላይ ድማ ኣብ ተጋሩ ዘነፃፀር ዝንቡዕ ኣረኣእያ ብምቅዋም ናብ ገዝኡ ተመለሰ። ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን ብትኹረት ዝከታተል ዝነበረ ዳኒኤል፣ መንግስቲ ትግራይ ክሳብ ዝፅውዕ እውን ኣይተፀበየን። ንህዝቢ ትግራይ ከፅንቱ ብኩሉ ግንባር ዉግእ ዝከፈቱ ልፍንታዉያን ወረርቲ ሓይልታት ከምክት ብረቱ ኣልዐለ። ዘሕብን ትግራዋይ ስምዒት ካብ ዘለዎ ስድራ እንዳ ኣቦይ ሃይለ ዳኒኤል ጥራሕ ኣይኮነን ተጋዲሉ። ሓፍቱ ብርኽቲ ሃይለን ሓው ሽሻይ ሃይለን ዝርከብዎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣዝማዱ እውን ሓቢሮም ተጋዲሎም እዮም። ዳኒኤል ካብቶም ልፍንታዉያን ፀላእቲ ክኣትዉሉ ዝተንቀሳቀሱሉ ግንባር ራማ ብ 3 ሕዳር 2013 ዓ/ም ተሰለፈ። ቀፂሉ ብ 9 ሕዳር 2013ዓ/ም ኣብ ዛላምበሳ ብ 10 ሕዳር 2013ዓ/ም ኣብ ዝባን ሑፃ ካብ 11 ሕዳር ክሳብ 14 ሕዳር ድማ ኣብ ቀርሰበር ዕዳጋ ሓሙስን ነጋሽን ከም ኩሉ ተጋዳላይ ትግራይ ብዘይ ዕረፍቲ ተዃሺሑ ጉቡኡ ፈፀመ። ኣብዞም 6 ዉግኣት ዚኦም ዋላ’ኳ ፀላኢ ጊዝያዊ ልዕልና ተረከበ ዳኒኤልን ብፆትን ግን ንፀላኢ ናብ ትግራይ እንትኣቱ ሰተት ኢሉ ብቀሊሉ ክኣቱ ከምዘይክእል ኣርኢዬም ረፌሪፎምዎ። እዬም ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ/ም ሕዝቢ ትግራይ ብፀላእቲ ኣመና ዝተጨፍጨፈሉ ጊዜ ስለ ዝነበረ ዳኒኤልን ብፆትን ሕነ ህዝቢ ትግራይ ንምፍዳይ ቀፀልትን ዘየቋርፁ ዉግኣት ኣካየዱ። ካብ 20 ሕዳር ክሳብ 25 ሕዳር 2013ዓ/ም ካብ ወርዒ ክሳብ ወርቃምባ ኣብ ዝነበረ ዉግእ ጁግና ስዉእ ተጋዳላይ ዳኒኤል ሃይለ ካብ ኩርባ ናብ ኩርባ እንዳተናጠረ ደም ህዝቡ ንዘፍሰሱ ፀላእቱ ደሞም ደመ ከልብ ገበሮ። ሕነ ክፈዲ ወፂኡ ኣብ ኣፃድፍ ወርዕን ወርቃምባን ሕኒኡ ፈደየ። ሕዳር 27 ክሳብ 28 ብሽም ጅግና ዶክተር ኣታክልቲ ቀፀላ ኣብ ዝተሰየመ ወፍሪ ካሊእ ጅግንነት ወሰከሉ። ብጅግና ኣብ ዝተሰየመ ቦታ ብካልኦት ጀጋኑ ካሊእ ጀግንነት ተፈፀመ። ዳኒኤል ኣካል ቶም ጀጋኑ ነበረ። ኣብ ሕሉፍ መዝገብ ህዝቢ ትግራይ ኣቅመራ ፉሉይ ቦታ ኣለዋ። ኣቅመራ ትማሊ ብቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ታሪኽ ተፃሒፉሊስ ሎምዉን ዳኒኤል ኣርኪቡሉስ ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 30 ግንባር ፀላኢ ክፍንፅሐሉ ዉዒሉ። ዳኒኤል ኣያታቱ ታሪኽ ኣብ ዘመዝገቡሉ ፉሉይ ቦታ ንሱ እዉን ብደሙ ታሪኽ ፂሒፉ እዩ። ፆምእን ጥምየትን ቁርን ፅሓይን ቁልቁልን ዓቀብን ኩሎም ብሓደ ኣብ ዝርከቡሉ ኣብ ሑጓታት ዛና ሕርምን ኮርተክልን ኣብራክ እቲ ወዲ 29 ዓመት ኣመና ተረረ እቲ ካብ ቤት ትምህርቱ ጀሚሩ ንመሰሉን መሰል ደቂ ሰባትን ብምሕላቅ ዝፍለጥ ተባዕ ተጋዳላይ ምእንተ ህዝቡ መስዋእቲ ክከፍል ወሲኑ ካብ 11 ታሕሳስ ክሳብ 24 2013ዓ/ም ኣብ ዛና፣ እንዳጀዉርግስ፣ ሕርሚ፣ ኮርተክሊ፣ ሚለ፣ ሕፃፅን ተከዘን ብዘይ ዕረፍቲ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ብፉፁም ጅግንነት ተዋግኡ። ኣብዚ ግዜ እዚ እዉን ፀላኢ ጊዝያዊ ዓወታት እንዳረከበ እንትከይድ ዳኒኤልን ኣሃድኡን ግን ገፅ ፀላኢ ንዘይ ምርኣይን ፀላኢ ደምሲሶም ሕነ ህዝቢ ትግራይ ንምፍዳይ ቦታ እንዳመረፁ ይዃሽሑ ነበሩ። ኣብ ደብረኣባይ ማይዳጉሻ ኣብ ማይ ዓፅሚ ወዘተ ዝብሃሉ ከባብታት ኣስገለ ፀለምቲ ክሳብ 5 ጥሪ ብዘይ ዕረፍቲ ምስ ፀላኢ ይተሓናነቅ ነይሩ። ካብ ምዓልቲ ናብ ምዓልቲ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብዘይ ዕረፍቲ ብዘይ እኽለማይን ሕክምናን ዝተዋግአ ተጋዳላይ ዳኒኤል ኣብቲ ፍሉይ ስርሒትን ድሃይ ተጋዳልቲ ትግራይ ብዓወት ተፀምቢሉ ዝተሰምዓሉ ወፍሪ ሰዩም መስፍን እዉን ብዝልዓለ ጅግንነት ተኻፊሉ እዩ። ኣብዚ ኣብ ባሕቲ ለካቲት ኣብ ጅዋማረ ዝተካየደ ኮማንዶ ፀላኢ ዝተደምሰሰሉ ፉሉይ ስርሒት ወፍሪ ሰዩም መስፍን ተጋዳላይ ዳኒኤል ጋንታ ኣዛዚ ብሙኳን ትኣምር ሰሪሑ እዩ። ቅድሚኡ ምዕራብ ግንባር ድሕሪ ታሕሳስ ክትመዓራረ ከላ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ዳኒኤል ኣብዚ ዉፍሪ ዝተሳተፈት ክፍለ ሰራዊት ዓድዋ ካብ ዝመስረትዋ 17 ተጋደልቲ ሓደን መስራትን እዩ ነይሩ። ዳኒኤል ብ 6 ለካቲት 2013ዓ/ም ኣብ ሰራርፍ ደፈጣ ብምሓዝ ቦንቢ ወርዊሩ ፓትሮል ብምቅፃል ታሪኽ ሰሪሑ እዩ። ከምዚ እንዳ ገበረ ኣብ ልዕሊ ጅግንነት ተወሳኪ ጅግንነት እንዳገበረ መስተንክራት ዝስርሐ ዳኒኤል ድሕሪ ዉግእ ጅጅቐን ከባቢታት 7ተ ሕጉምን ኣሃዱታት ሰራዊት ትግራይ 11 ለካቲት ኣብ ሳምረ እንትፅምብላ ዳኒኤል ኣብኡ ነይሩ.. ኣሃዱ ዳኒኤል ንትግራይ 3፣ 4 ጊዜ እያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘይራታ። ብፍላይ ኣብ ወርሕታት ጥርን ለካቲትን ከም ሽላ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ደጋጊማ ኮሊላታ እያ። እዚ እንትግበር ኣብ መንገዲ ንዘጋጥማ ዝነበረ ፀላኢ ፊትንፊት ገጢማ እዳደምሰሰት እዩ። ኣብዞም ኩሎም ግጥማት ዳኒኤል ኣሎ። ከም ብፆቱ ዘጋጠሞ መጉዳእቲታት ብጨዉን ማይን እንትረክብ ድማ ብ ብጣስ ፋሻ እዳጠምጠመ ስኑ ነኪሱ ተጓዒዙ ተዋጊኡ፣ ልዕሊ ምግብን መድሓኒትን ስቓይ ህቡን ግፍዕታት አሐሪንዎ ብዕላማን ፅንዓትን ተጋዲሉ። በረኻታት ትግራይ ብእርይ ቁፅር ረጊፅዎም። ዕረፍቲ የለን ምግብን መድሓኒትን የለን ግን ድማ ዕላማን ወነን ስለ ዝነበረ ንኩሉ ስጊሩዎ። ወርሒ ካብ ወርሒ ኩለን ምዓልቲታት ብዉግእን መንገድን እየን ዝሕለፋ እዚ ንኡስ ተጋዳላይ ልዕሊ ዕድሚኡ ዓብዩ ምእንተ ትግራይ ኢሉ መከራ ሰኪኑ ከርተት ኢሉ ተቃሊሱ። ፀላኢ መራሒቲ መንግስቲ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ደምሲሰዬም ኣብ ክልተ ስዓት ሰበር ዜና ከስምዓኩም እየ ኢሉ ኣብ ዝኣወጀሉ ወርሒ መጋቢት ተጋዳላይ ዳኒኤል ምስ ብፆቱ ብዕለት 11 መጋቢት 2013ዓ/ም ኣብ ዶንጎላት ታሪኽ ብምስራሕ ነቲ ፖሮፖጋንዳ ማይ ንማይ ክተርፍ ገይርዎ ዶንጎላት ሻዕብያ እንትሓስርን እንትኩስተርን ዳኒኤል ብፍሉይ ጅግንነት ኣንዳጦገገ ነቶም ሕሱራት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኮኑ ሰራዊት ሻዕብያ ከም ቓንጫ ዓፀዶም። ሕነይ ፈድየ ድማ በለ ኣብዚ ዉግእ ጋንታ መራሒ ኮይኑ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን። ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ሚያዚያ 2013ዓ/ም ኣብ ሰመማ ባምባ ስሓርትን ወዘተን ዝነበሩ ዉግኣት እዉን ዉዒሉሎም እዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ 2013ዓ/ም ልዕሊ 30 ዓዉደ ዉግኣት ተሳቲፉ መስተንኽራዊ ዓወት ሓፊሱ ኣብ መዝገብ ጀጋኑ ትግራይ ስሙ ብድሙቅ ቐለም ዘስፈረ ተጋዳላይ ዳኒኤል፣ ፀላኢ ካብ ትግራይ ተፀራሪጉ ክሳብ ዝወፅእ ኣብ ዝነበሩ ከበድቲ ዉግኣት ዝነበረ ከቢድ ፈተና ሓሊፉ ኩርዓት ዓዱን ህዝቡን ክከዉን በቂዑ እዪ። ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ዳኒኤል ካብ ኩሎም ክሳብ ከዚ ዝተፀርሑ ዉግኣት ብዝልዓለ ጅግንነትን ዉፍይነትን እንትረባረብ ኣብቲ ፀዋግ እዋን እቲ ኮይኑ እዉን "ቐፅል ብፃይ መርምሮ ጉዕዞካ ንህርካ ወስክ ዘኽር ጀጋኑኻ" እትብል ጥምርቲ ሓሳብ ኣብ ቅድሚ ብፆቱ ይደጋግማ ምንባሩ በብፅንዓት ዝተቃለስን ዝተፀመመን ዝተዓገስን ኣብ ዓወት ክበፅሕ ከምዝክእል ብምኽሪ ደረጃ ንብፆቱ የካፍል ነበረ። ካብ ፈለማ ብረት ኣልዒሉ እንትቃለስ ዓደይ ኣይትድፈርን ኣደይ ኣይትሕረድን ህዝበይ ክብሩ ኣይምንጠልን ብምባል እዩ መስዋእቲ ኽከፍል ዝወሰነ። ከም ሓሳቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዝፈፀሙ ፀላእቱ ደምሲሱ ናይ ልቡ ገይሩ እዩ። 15 ሓምለ 2013 ዓ/ም ኣብ ዓዲ ኣርቃይ ኣብ ዝነበረ ከቢድ ዉግእ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ እዩ ኣዋጊኡ። ካልኦት ክልተ መራሒ ሓይለን ዝስኣና ሓይልታት ኣተኣሳሲሩ ብፅንዓትን ብዝገርም ጅግንነት እዳዋግአ እንዳሃለወ 16 ሓምለ 2013ዓ/ም ስዓት 3ተን ፈረቓን ንጉሆ ካብ ናይ ፀላኢ ዙ ብዝተተኮሰ ጥይት ብክብሪ ተሰዊኡ። ክብርን ሞጎስን ንዳኒኤልን ንኹሎም ጀጋኑ ስውኣት ትግራይን!!! https://www.youtube.com/watch?v=Vg6TpyZe8Fw