ገብሪሂወት ኣረጋዊ ገብረኣነንያ

  • ትውልዲ ቦታ: ሙጉላት
  • ዕለተ‐ልደት: 05/07/1989
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 27/02/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ኣብ ግንባር ሚለ ዓፋር

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተገደላይ ገብሪሂወት ኣረጋዊ ካብ ኣቡኡ ኣረጋዊ ገብረኣነንያ ካብ ኣዲኡ ለተክርስቶስ ገብረግዝሄረ ብዕለት 05/07/1989 ዓ/ም ተወሊዱ ኣብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ጋ/ኣፈሹም ጣብያ ሙጉላት ተጋዳላይ ገብሪሂውት ኣዚዮ ሁዱእ ዓቃል ተፃወታይ ሳሓቃይ ብስድሩኡ እና በዕርኽቱ ኣዙዮ ፍቱዉ ነይሩ ፈታዊ ዓዱ ፍቅሪ ማሃብ ዝክእሎ ነይሩ።ግን ብቲ ዘጋጠመ ዓሌት ምጥፋእ ኣብ ትግራይ ኣነ ከለዅ ዓደይ፣ ኣደይ፣ ሓፍተይ ኣይትድፉርን ኢሉ ናብ TDF ሕዳር 28/03/2013 ዓም በረካ ወፅዩ ካብ ሙጉላት ብእግሩ ተጎዒዙ ኣብ ሓዉዜን በፂሑ ድሕሪ 3 መዓልቲ TDF ኣልሹ ረከቦም ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ድማ ኣብ ሓፂር ግዜ ስልጣና ወሲዱ ተወጋኣይ ካነ ንንእሽተይ ሓፍቱ ደዊሉ ድማ ፍረ ሓፍተይ ቻዉ ደጊም ኣነ ኣብ TDF እየ ዘለኩ ኣይትሻቀሉ ትግራይ ነፃ ከውፃኣ እየ በላ እም ድሕሪ ሶሙን ተኺሱ ዘይስሕት ፀላኢ ድማ ምስ ብፆቱ ኾይኑ ኣብ ትግራይ ከምዘይነብር ገበርዋ ዳርጋ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ዉግእ ተሳቲፎ ሲዒሩ እዩ።ኣብ ግጀት ዓዲ ዓውሶ ሳሓርቲ ሳምረ ዝነበረ ውግእ ኣብ እግሩ ካብ ፀላኢ ዝተተኾስ ጥይት እግሩ ተወቀዐ እሞ ብፆቱ ኪድ ተሓከም ኢሎም ንመቀለ ሰዲዶምዋ መቀለ ናብ ሓዉ ኣተወ እሞ ንሱ ድማ ሳዓል ሓሚመ ኢሉ መውቃእቱ ንሓው ኩይነገረ ኣብ ናይ ግሊ ሕኽምና እናከደ ተሓከመ 3 ሶሙን መቀለ ተቀመጠ ቀሱሉ ድማ ሓወይ ኣብተን 3 ሶሙን ግን ናፍቆተ ብፆቱ ኣይካኣለን ድሕሪ ወርሒ ድማ ናብ ብፆቱ ተሓወስ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኣብ ኩሎም ውግኣት ተዋጊኡ ሲዒሩ እዩ።ኣብ ዉቅሮ፣ዕዳጋ ሓሙስ ተምቤን ኣብ ጎሮሮ ወርቀ ዲኖ ሶቆጣ ኣበርገለ ቦራ ሳሕርቱ ሳምረ ዓዲ ዓውሶ ግጀት 7 ሑጉም ወፍሪ ኣሉላ የጭላ ድሕሪ መቀለ ሓራ ምዉፃኦም ኣላማጣ ግራ ካሕሱ ኣብ ግንባር ጭፍራ ሚለ ወዲ ኣሸብር ዝመርሖ ዝነበረ ተዋጊኡ ኣዋጊኡ እዩ ብሓፈሻ ካብ ብረት ስናይፐር ድሽቃ ሞርታር ኾይኑ ተዋጊኡ እዮ ካብ ናይ ስምምዕ ተመለሱ ምባሎም ድማ ኣርሚ 42 ናይ ኾር 2 ሞርታር 88 ኾይኑ ድማ 2014 ተሰዊኡ እዩ ነብስኻ ብስላም ትዕረፍ ሓወይ ተሪካ ኽንስንዶ ኢና ሓዉይ ቃልሲካ ክቅፅል እዩ ትግራይ ሃገር ክንገብራ ኢና ዘላኣሉም ክብርን ሞጎስን ንሰማኣታትና✊✊✊✊✊ ካብ ሓዉ ተጋደላይ ገብሪሂወት ኣረጋዊ ፃሓፊ ተወልደ ኣረጋዊ ካብ ካናዳ ቶሮንቶ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና