ኣሸናፊ ሙሉጌታ ሰይፉ

  • ትውልዲ ቦታ: መነወ
  • ዕለተ‐ልደት: 10/04/1987
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 01/02/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ጭፍራ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ሂወት ታሪክ ጅግና ስዉእ ተዳጋላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ(ወዲ ሰይፉ) ============ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ሰይፉ ካብ ኣብኡ ታጋዳላይ ሻምበል ሙሉጌታ ሰይፉ ገሰሰው ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ለምለም ካሕሳይ የዕብዮ ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ጣቢያ ስምረት ቁሸት ድርግዛ ፍሉይ ቦታ መነወ (ትውልዲ ዓዲ ጀግና ኣቦና ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ) ብዕለት 10/04/1987 ዓ/ም ተወሊዱ፡፡ ጅግና ተጋዳላይ ስውእ ኣሸናፊ ሙሉጌታ (ወዲ ሰይፉ) ካብ ዝተወለደሉ ዕለት ጀሚሩ ምስ ወላዲቱ ወ/ሮ ለምለምን ምስ ኣቦ ሕጉኡ ኣይተ ሰይፉን ከም ማንም ቆልዓ ገጠር ኣብ መጓሰ ከፍትን ናይ ሕርሻ ስራሕትን ዝዓበየ እንትከውን ወላዲኡ ተጋዳይ ምስ ምኳኑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይንቀሳቀስ ስለዝነበረ ምስ ወላዲቱን ኣቦ ሕጉኡን ሓወቦታቱን ብፅቡቕ ስነምግባር እናተንከባከቡ እዮም አዕብዮሞ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ኣብ እዋን ንእስነቱ ተፃዋታይን ብመሓዝቱ ተፈተዋይን ነይሩ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1ይ - 8ይ ክፈሊ ኣብ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ካብ 1996 – 2003 ዓ/ም ኣጠናቂቁ እዩ፡፡ ድሕሪ ናይ 8ይ ክፍሊ ትምህርቲ ምጥንቃቁ ናብ ከተማ ሃ/ሰላም ሙሉእ 2ይ ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ብምኻድ ካብ 2004 - 2005 ዓ/ም ካብ 9 -10ይ ክፍሊ ኣጠናቂቁ እዩ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ኣብ እዋን ትምህርቱ ብመምሃራኑን መሓዙቱን ቤ/ሰቡን ተፈታዋይን ብፀባዩ ምስጉን ነይሩ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ድሕሪ ናይ 10ይ ክፍሊትምህርቲ ምጥንቃቁ በቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ትምህሪቲ ውፅኢት ትምህርቱ ዘቕፅሎ እኳ እንተነበረ ኣቦ ሕጉኡ ኣይተ ሰይፉ ገሰሰው ሓጋዚ ብዘይምንባሩ ኣቦይ ክሕግዝ አየ ብምባል ትምህርቱ ብምቁራፅ ናብ መነባብሮ ሕርሻ ምስ ቤ/ሰቡ ብምኳን ኣብ መነባብሮ ሕርሻ ተሰሊፉ ጠንካራ ሓረስታይ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ኣብ 2011ዓ/ም ምስ ወ/ሮ ለምለም ብድሌቱን ፍቃድ ቤ/ሰቡን ኣብ እንዳ ቦሕጉኡ ሓዳር ብምምስራት ናብርኡን ናብራ ቤ/ሰቡን ይመርሕ ነይሩ፡፡ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ (ወዲ ሰይፉ) ኣብ ናይ ሕርሻ ስራሕቱ ንበዕሉን ቤተሰቢቡን ተስፋ ዘሕደረ ህርኩት ሓረስታይ ነይሩ፡፡ ጅግና ስዉእተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኩናት ኣነ እንዳሃለኩ ዓደይን ኣዶ ትግራይን እይትድፈርን መንእሰይ ትግራይ ኣይረሕረድን ኣቦ ትግራይ ደኒኑ ኣይነብዕን ርስቲ ኣቦታተይ ኣየድፍርን ብምባል ሰነ 12/2013 ዓ/ም ናብ መሰልጠኒ ማእኸል ተጎጋ ብምእታው ሓፂር ናይ ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ብምውሳድ 25/11/2013 ዓ/ም ናብ ኣርሚ 42፤ ኮር 2፤ ክ/ሰራዊት መቐለ፤ ሓይሊ 3፤ ጋንታ 2፤ መስርዕ 2 ኣባል ኮይኑ ተመዲቡ ክቃለስ ፀኒሑ እዩ፡፡ ካብ 27ሓምለ 2013 – 11 ነሓሰ 2013 ዓ/ም መልዐሊ/ኣግላሊ ውጉእ ኮይኑ ኣብ ውግእ እናኣተወ ቁሱላት ብፆቱ እናግለለ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ 11 ነሓሰ - 13 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ንተከታታሊ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዓፋር ኢልኮማ ዝተብሃለ ቦታ ምስ ኣሃድኡ ብምኳን ብልዑል ጅግንነት ተዋጊኡ እዩ፡፡ ድሕሪዚ ናብ ሃይቅ ንምጥቃዕ ምስ ኣሃድኡ እኹል ምድላዋት ብምግባር ካብ ዕለት 27 ነሓሰ - 29 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ንተከተታሊ 3 መዓልቲ ብዘይ ምንም ዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ምስ ኣሃድኡ ብምኳን ኣብ ልእሊ ፀላኢ ከቢድ ኪሳራ ብምብፃሕ ንከተማ ሃይቅ ኣብ ምቁፅፃር ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ናይ ባዕሉ ልዑል ተራ ተፃዊቱ እዩ፡፡ ድሕሪ እዚ ብዕለት 30 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ምትዕርራይ ብምግባር ንበረኻታት ሃይቅ ንአንፈት ምብራቅ ኣብ ዝተገበረ መጥቃዕቲ መራሒ መስርዕ ከይኑ ካብ ጳጉሜል 1 - ጳጉሜ 3 /2013 ዓ/ም አብ ዝተኻየደ ውግእ ቀትሪ ለይትን መራሒ መስርዕ ኮይኑ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን እዩ፡፡ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ድሕሪ ውግእ በረኻታት ሃይቅ ፈረስዋ ንምቁፅፃር ምስ ኣሃዱ ብምን ካብ 4 ጳጉሜ ክሳብ 5 ጳጉሜ 2013 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ውግእ እውን መስርዑ ብምሓዝ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን እዩ፡፡ ድሕሪ ውግእ ፈረስዋ ናብ ጭፍራ ብምጉዓዝ ካብ መስከረም 1/2014 ዓ/ም ክሳብ መሰከረም 29/2014 ዓ/ም አብ ድፋዕ ንተኸታታሊ 30 ማዓልቲ ፀኒሑ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ጅግና ተጋዳላይ ስዉእ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ኣብ ደቡብ ግንባር ዝተሳተፈሎም ዓውደ ውግኣት ኢልኮማ፤ሃይቅ፣በረኻታት ሃይቅን ፈርስዋን፤ ጭፍራን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ፡፡ ብዕለት 30 መስረም 2014 ዓ/ም እቲ ፀላኢ ዝምከሐሉ ዝነበረ ድፋዕ ጭፍራ ንምስባር መሉእ ለይቲ መስረዑ ብምሓዝ እናዋገአን እናተዋገአን ድሕሪ ምሕዳር ረፋድ ጥቅምቲ 1/2014 ኣብቲ ዓውደ ኩናት እታ መተካእታ ዘይብላ ሂወቱ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን አብ መበል 27 ዓመቱ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ፡፡ ሰነ ስርዓት ቀብሩ ድማ አብ መቃብር ሰማእታት መራሕቱን ብፆቱን አብ ዝተረከብሉ ጥቅምቲ 1/2014 ዓ/ም ተፈፂሙ እዩ፡፡ ጅግና ተጋደላይ አሸናፊ ሙሉጌታ (ወዲ ሰይፉ) በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን እዩ ነይሩ፡፡ ዳግማይ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ መላእ ቤ/ሰቡን ፈውቱን መተዓቢቱን ኣብ ዝተረከብሉ ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየላ ቁሽት ድርግዛ ሎሚ ጥቅምቲ 03/2016 ዓ/ም ኣብ እንዳኣቡነሰለማ ቤ/ክርስትያን ተፈፂሙ፡፡ ፅንዓት ንመላእ ቤተሰብን መሓዙቱን፡፡ ካብ ርሕቑን ቀረባን ናዓና ንምፅንዕናዕ ዝመፃእኹምን ብስልኪ ደዊልኹም ዘፅናዕናዕኹምናን ኩልኹም ቤ/ሰቡን ፈተውቱን ስዉእ ጅግና ተረጋዳላይ ኣሸናፊ ሙሉጌታ ክብሪ ይሃበልና ክፉእ አይትርከቡ ክንብለኩም ንፈቱ፡፡ ጅግና ታሪክ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን!! ክብርን ሞገስን ንናይ ትማልን ሎምን ሰማእታትና!! ጥቅምቲ 03/2016 ዓ/ም