ክብሮም ገ/ማርያም ገ/ስላሴ

  • ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ሳ/ፃዕዳ እምባ ጣብያ ጉዕምሰ ቁሸት ጎርሞዶ
  • ዕለተ‐ልደት: 7/5/1992
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 17/2/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ሀይቅ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ተ/ጋ ክብሮም ገ/ማርያም ክብ ወላዲቱ ጊደና ገብሩን ካብ ወላዲኡ አይተ ገ/ማርያም ገ/ስላሴ ኣብ ወረዳ ሳ/ፃ/እ ጣብያ ጉዕምሰ ቁሸት ጎርሞዶ 1992 ጥሪ 7 ተወሊዱ ዕድምኡ ናብ ትምርቲ ምስ አከለ አብ ቤት ት/ቲ ጎርሞዶ ካብ 1-8ይ ክፍሊ ተማሂሩ ቤተሰቡን ሂወቱን ንምምሕያሽ ትምህርቱ ብምቁራፅ ናብ ስራሕ ዓለም አትዩ እንዳሰርሐ ንባዕሉን ቤተሰቡን እንዳሓገዘ ነይሩ።ክብሮም ትሑትን ምስ ኩሉ ተጫዋትን ቅንዑን ነይሩ ፣ ድሕሪ ኣዋጅ ፅንተት ትግራይ ኣብ ዝተኣወጀሉ ሰዓት ከም ኩሉ ትግራዋይ ሓሪኑ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ናብ በረካ ትግራይ ወሪዱ ተቃሊሱ ቡዙሓት ዓወታት ምስ ብፆቱ ሓፊሱ አብ 2014 ወርሖ ጥቅምቲ አብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ቦታ ሀይቅ ተሰዊኡ።