ብሩክ ግርማይ
- ትውልዲ ቦታ: 13 መስከረም 1989 ዓ.ም
- ዕለተ‐ልደት: መቐለ ፣ እንዳገብርኤል ሰፈር
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 05 ጳጉሜን 2014
- ቦታ መስዋእቲ: ምዕራብ ግንባር ዓዲ-ኣርቃይ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ጅግና ተጋዳላይ ብሩክ ግርማይ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ግርማይ ተኽሉ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ እንባየ ኣሰፉ ብ 13 መስከረም 1989 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሰፈር እንዳገብርኤል ተወሊዱ።ካብ 1ይ-8ይ ኣብ ቤ/ት ሓየሎም እንትከታተል ካብ 9-10 ኣብ ኻልኣይ ብርኪ ፍረ ኣቤት 11-12 ኣብ ቤ/ት ሃፀይ ዮዉሃንስ መሰናደኦ ቤ/ት ተማሂሩ ፅቡቕ ዉፅኢት ብምምፃእ ድማ ኣብ ጅጅጋ university ቐዳማይ ዓመት እናተምሃረ እና ሃለወ ብ 2009 ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብለጋጠመ ዕግርግር ናብ መቐለ ተመሊሱ ኣብ መቐለ ብ accounting &finance ብ 2013 ተመሪቑ። ጅግና ተጋዳላይ ብሩክ ግርማይ ኣብ ጽርሃ ኣርያም ቅዱስ ገብርኤል ቤ/ክ ሰንበት ትምህርቲ ኣባል ኾይኑ የገልግል ኔሩ።ጅግና ተጋዳላይ ብሩክ ግርማይ ብ ዕለት 28 መስከረም 2014 ዓ.ም ናብ ማእኸል ታዕሊም ኣጉላዕ ተፀንቢሩ ታዕሊሙ ብግቡእ ዛዘመ።ብዕለት 27ሕዳር2014 ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ናብ ዝነበረት ኣርሚ 15 ኮር 153 ተፀንቢሩ ድሕሪ ልተወሰነ መዓልትታት ድማ ብከባቢ ዓፋር ትግራይ ልነበረ ፀላኢ ልምክልኻል ምስ ጀጋኑ ብፆቱ ድፋዕ ኣፅኒዑ ብምክልኻል ተልእኽኡ ብልግባእ ፈፀመ። ኣብ ሰራዊት ትግራይ ብልተገበረ ዳግመ ምትዕርራይ ካብዛ ልነበራ ኣርሚ 15 ናብ ኣርሚ 17 ናይ መራሕቲ ክ/ሰ ሓለዋ ኾይኑ ተዘዋወረ። ጅግና ተጋዳላይ ብሩክ ግርማይ ብልነበሮ ተኣማንነትን ወታደራዊ ብቕዓትን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014ዓ.ም ናይ ክ/ሰ መትከል ሎጂስቲክስ ኣዛዚ ናግሊ ዓጃቢ ኾይኑ ዓበየ። ጅግና ተጋዳላይ ብሩክ ግርማይ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብ 18ነሓሰ2014 ብ ኣርባዕቲኡ ማእዝን ልኸፈትዎ ወራር ንምምካት ብዕለት 22ነሓሰ ብግባር ምዕራብ ዓዲ-ኣርቃይ ኣብ ዝነበረ ዉግእ ልምሕጋዝ ሩባ ተከዘ ብምስጋር ማይ ማይ ለብሉ ጎቦታት ሓሊፉ ጉቡኡ ፈፀመ። [ ] ጅግና ተጋዳላይ ብሩክ ግርማይ ብዕለት 5ጳጉሜን ክ/ሰ መትከል 1ድሽቃን 1ብሬንን ብርክት ዝበሉ ጠያይትን እንትማርኽ ናይ ቀረባ ልነበረ ሓላፊኡ ናይ ድሽቃ ሽፋን እንትህብ ዝተዉሃቦ ሓላፍነት ብምርዳእ ካብ ጎኒ ብፃየይ ሓላፍየይ ኣይኸይድን ብምባል ብ ዕለት 05 ጳጉሜን 2014 ሰዓት 11 ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ሞርታር ኹቡር መስዋእቲ ኸፊሉ ስርዓተ ቐብሩ ድማ ታሕታይ ኣድያቦ ፍሉይ ቦታ ፀሊሞይ እንዳ ኪዳነ ምህረት ስርዓተ ቐብሩ ተፈፂሙ እዩ።