ገ/ማርያም ገ/ሂወት ኣስፋው

  • ትውልዲ ቦታ: ድርግዛ
  • ዕለተ‐ልደት: 11/03/1989
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 24/12/2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ጭፍራ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓቀኛ ሓፂር ሂወት ታሪኽ ስውእ ተጋዳለይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት/ ገሬ/ ======================================================  ጅግና ስወእ ተጋዳለይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ካብ ወላዲኡ ኣይተ ገ/ሂወት ኣስፋው ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ተምኒት ደስታ ገ/ዚሄር ሕዳር 11 1989 ዓ/ም አብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ጣንቋ ምልሽ ጣብያ ስምረት ቁሸት ድርግዛ ፍሉይ ድርግዛ ተወሊዱ። ሃገረሰላም  ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ኣስፋው አብ አዋን ቁልዕነቱ ከም ማንም ወዲ ገጠር ምስ ወለዱ አብ ዝተወለደሉ አብ ሓለዋ ጥረትን ሕርሻን ተዋፊሩ ቡዝሕ ግዜ ብምሕላፍ ንወለዱ ምእዝዝን ምስ መሓዝቱ ተፈታዊ ነይሩ።  ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ብልበላ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ካብ 2000 ዓ/ም ክሳብ 2006 ዓ/ም ካብ 1ይ ክፍሊ እስካብ 8ይ ክፍሊ ተማሂሩ እዩ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ብህፃንነቱ ወላዲኡ ካብ ዓለም ዋላ እንተተፈለየ ትምህረቲ ንምምሃር ዘፀገመሉ ኣይነበረን ገና ካብ ህፃንነቱ ጀሚሩ በዓል በሊሕ አእምሮን ብትምህርቱ ንፍዕ ብፀባዩ ምስጉን ብምሓዙቱ ተፈታዊ ኮይኑ ናይ 8ይ ክፍሊ ትምህርቱ ብዝለዓ ፀብለልታ አጠናቐቐ ፡፡  ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት /ገሬ/ ድሕረ 8ይ ክፍሊትምህርቲ መጠናቃቁ አብ 2007 ኣ/ም ናብ ሰለ ወይም ኣግበ ሙሉእ 2ይ ብርኪ ቤ/ትምህርቲ ብምኻድ 9ይን 10ይ ክፍሊ ብምምሃር አብ 2008 ሃገር ኣቀፍ ፍተና ተፈቲኑ አብዚ ትምህርቱ ብዝጋበእ ኣጠናቂቁ እዩ።ድሕሪ 10ይ ክፍሊ ምጥንቃቅ አብቲ ግዜ ሱር ኮንስትራኽሽን ና መንገዲ ስራሕቲ ስለ ዝነበረ ካብ ሰነ 5/2008 ዓ/ም ጀሚሩ መዓልታዊ ስራሕ ምስ ደቂ ዓዱን መሓዝቱን ምስራሕ ጀመረ አብዚ ብስረሑ ብጣዕሚ ተፈታዊ እናኾነ ብምኻዱ ናብ መንደቅ ስራሕቲ እናሰርሐ ናብራ ቤ/ሰቡ ምሕጋዝ ጀመረ፡፡  ስውእ ጅግና ተጋዳላይ መ/ር ገ/ማርያም ገ/ሂወት ናይ 10 ክፍሊ ወፅኢት ምስ መፀሉ ካብ 2009ዓ/ም ስካብ 2011 ዓ/ምትምህርቱ ብምክትታል ኣብ ዓቢይ ዓዲ መምሃራን ኮሌጅ ብተፈጥሮ ሳይንስ ብምህርነት ሙያ ተመረቀ፡፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት በቲ ዝተመረቀሉ ሙያ ስራሕ ረኺቡነ ዋላ እንተነበረ ኣብ ስር ኮንስትራክሽን ብዝነበሮ ናይ ስራሕ ፍቅሪ ካብ ተራ ሚኒዋሎ ናብ ሃናፃይ ብምዕባይ ካብ ጉያ ሰመማ ኣብ ዝነበረ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት እናሰርሐ ድሕሪ ምፅናሕ ግንቦት 2012 ኣ/ም መቐለ ዓዲ-ጉዶም ዝነበረ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ብምዝውዋር ብሃናፃይነት ሙያ እናሰርሐ ንብርኡን ናብራ ቤ/ሰብን ይመርሕ ነይሩ፡፡  ስውእ ጅግና ተጋዳላይ መ/ር ገ/ማርያም ገ/ሂወት ፈጣን እግሪ ሽላ ብስርሑ ምእዙዝን ብመሓዙቱ ተፈታውን ዕሸል ነይሩ፡፡  ስውእ ጅግና ተጋዳላይ መ/ር ገ/ማርያም ገ/ሂወት /ገሬ/ አብ 2013 ዓ/ም ብኮንስትራክሽን አንጀነሪንግ አብ መቀለ ንምክታታል ዝለዓለ ድለት ብምሕደር አብ መቀለ አናሰረሐ አብ ተርፊ ሰዓቱ ናይ ወለዱ ስራሕ አናሰረሐ ዝተለሞ ናይ ትምህርቲ ትልሚ ብምክንያት ኣብ ትግራይ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ/ም ዝወለዐ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኩናት ከሉ ትምኒቱ ወድቂ ኮነ፡፡  ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ጥቅምቲ 24/2013 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኩናት ኣነ እንዳሃለኩ ኣዶ ትግራይ እይትድፈርን መንእሰይ ትግራይ ኣይረሕረዱን ኣቦ ትግራይ ደኒኑ ኣይነብዕን ርስቲ ኣያታተይ ኣየድፍርን ደመይ ብምፍሳስ ንብዓት ዓደይ ክሕብሶ አየ ብምባል ሰነ 26/2013 ዓ/ም ካብ መቀለ ናብ መሰልጠኒ ማእኸል ፈንቅል ተጎጋ ብምእታው ሓፂር ናይ ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ብምውሳድ 25/11/2013 ዐ/ም ናብ ግንባር ደቡብ ኣርሚ 44 ኮር 2 ክ/ሰራዊት ዓድዋ ሻለቃ 11 ሓይሊ 2 ጋንታ 3 መራሒ መስርዕ ኮይኑ ተመደበ፡፡  ድሕሪ እዚ ጉዕዞ ናብ ዞብል ብምግባር አብ ዞብል ብዕለት 29/11/2013 ኣ/ግ ናይ መጀመርታ ውግእ ምስ ፉሊይ ሓይሊ ዓፈርን ሰራዊት ምክልካል ሃገርን መስረዑ ብምሓዝ ውግእ ኣካየደ አብዚ ብዝበረ ውግእ ምሰ ኣሃድኡ ብምን ፀላኢ ብምድምሳስ ናብ መሬት ዓፍር ብምእታው ተከታታሊ ውግእ ብምክያድ ናይ ተጋደለይ ገ/ማርም ልዑል እጃም ነይሩ።  ብድሕሪ እዚ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት እታ ዝነበረላ ክ/ሰራዊት ዓድዋ ከም ዘለዋ ናብ ኣርሚ 44 ኮር 1 ክ/ሰራዊት ዓድዋ ሻለቃ 11 ሓይሊ2 ጋንታ 3 ብምቅያር አብ መጀመረታ ነሓሰ ጉዕዞ ኣብ ሃራ ገበያ ዝነበረ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ብምድምሳስ ተከታታሊ ውግእ ምስ ኣሃድኡ መስርዑ ብምሓዝ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን እዩ።  ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ነሓሰ 18ን 19 አብ ሃሩ ን ሶደማን ዓረዱ ዝነበረ ረፐብለካን ኮማንዶ ብመራሕቱ ዝትውሃቦ ትእዛዝ ምስ ሓይሉን መስረዑ ብምምርሕ ፀላኢ ዝምከሐሎም ዝነበረ ሪፐፕሊካን ጋርድ ኮማንዶ ሓያል ውቅዒት ክውቃዕ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።  ስውእ ጀግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ኣብ ዘቡል፤ ዓፍር፤ ሃራ ገበያ፤ ሃሩ፤ ሶደማን ጭፍራን ብዝለዓለ ወነን ጅግንነትን መስረዑ በምሓዝ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን እዩ፡፡  ስውእ ጀግና ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ኣብ ጭፍራ ካብ 21/12/2013 ኣ/ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ 4 መዓልቲ ከቢድንን ፅዕፁዕን ወግእ እናዋገአን እናተዋገአን ድሕሪ ምፅናሕ ነሓሰ 24/2013 ዓ/ም እታ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቱ ንዘላኣለም ዘይትምለስ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ አብ መበል 24 ዓመቱ ኩብር መስዋእቲ ከፈሉ ።  ስውእ ጅግና ተጋደላይ መ/ር ገ/ማርያም ገ/ሂወት ስነ ስርዓት ቀብሩ ብዕለት 25/12/2013 ኣ/ም አብ መቃብር ሰማእታት ተፈፂሙ ። ዳግማይ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ መላእ ቤ/ሰብን መሓዙቱን መተዓቢቱን ኣብ ዝተረከብሉ ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየሉ ቁሸት ድርግዛ ፉሉይ ቦታ ድርግዛ ሎሚ ዕለት ጥቅምቲ 3/2016 ዓ/ም አብ እንዳ ኣቡነ አብነ ሰለማ ቤ/ክርስትያን ተፈፂሙ ፡፡  ጅግና ታሪክ ይሰረሕ እምበር አይነብረን  ክብረን ሞጎስን ንስዋኣትና  ንመላእ ቤተ ሰብን መሓዙትን ጀግና ስውእ ተጋዳላይ ገ/ማርያም ገ/ሂወት ፅንዓት ይሃብኩም።  ካብ ዝተፈላለየ ካበቢታት ንዓና ክትክበሩን ሓዘንና ክተፅናዕንዑን ዝመፃኩም መለኣእ ቤተ ሰብ መሓዝቱን ኣዕርክቱን ብፀቱን ክብረት የሃበልና ጥቅምቲ 03/2016 ዓ/ም