አማኒኤል አባዲ ገብረማርያም

  • ትውልዲ ቦታ: ምብራቅ ትግራይ፣ ወረዳ ጋንታአፈሹም፤ ጣብያ ፃዕዳት ሓምሎ፤ ቁሸት ፃዕዳት
  • ዕለተ‐ልደት: 15/05/1993
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 06/02/2015
  • ቦታ መስዋእቲ: ዓዲ-ዳዕሮ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ስውእ ጅግና ተጋደላይ አማኒኤል አባዲ ካብ አቡኡ አይተ አባዲ ገብረማርያም አዲኡ ለተብርሃን ግርማይ ወሉ ዕለት 15/05/1993 ዓ/ም አብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ጋንታአፈሹም ጣብያ ፃዕዳት ሓምሎ ቁሸት ፃዕዳት ተወሊዱ።ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምሰአከለ ካብ 1999-2006 ዓ/ም አብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፃዕዳት ካብ 1ይ-8ይ ተማሂሩ።ካብ 2007-2008 ዓ/ም አብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብርሃነ ግደይ አዛባ ካብ 9ይ -10ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ካብ 2009-2010 ዓ/ም አብ አግአዚ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካብ 11-12 ተማሂሩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ አማኒኤል አባዲ ድሕሪ 12 ክፍሊ አብ ከተማ ዓድግራት ምስወደአ ብ 2011 ናብ ብርሸሎቆ ወታደራዊ መሰልጠኛ አትዩ ን 6 ወርሒ ሰልጢኑ ምስወደአ ናብ ብሸፍቱ መከላክያ ኢንጅነሪ አትዩ ብ መካኒካል ምህንድስና እንዳተምሃረ ፀኒሑ። ድሕሪ ልፍንታውያን ወረርቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጅዎ ናይ ፅንተት ወራር ስዒቡ ብተወሳኪ እውን አብቲ ኮሌጅ ትግራዋይ ብምኳኑ ጥራሕ ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዒ ንምምኳት ኣደይን ዓደይን እናተደፈረት ሱቕ ኢለ ኣይርእን ብዝብል ካብቲ ትካል ቤት ማእሰርቲ ብሓፁር ዘሊሉ ዝበዝሕ ብእግሩ አብ ውሱን ከባቢ ድማ ትራንስፖርት ብምጥቅም ናብ መሬት ትግራይ ሰነ 03 /2013 ዓ/ም አትዩ። ስውእ ጅግና ተጋደላይ አማኒኤል ዕልሙን ወታደራዊ ሳይነስ ስልጢኑ ስለዝነበረ ወድያውኑ ናብ ጅግና መከላከሊ ሰራዊት ትግራይ (ትዲፍ) ናብ አርሚ 33 ኮር 3 ክፍለጦር አልዋሃ ብምህንድስና ተመዲቡ። ስውእ ጅግና አማኒኤል ብወፍሪ አዴታት ትግራይ አብ ዝተሰየመ ውግእ ካብ ሓምለ 03-05/2013 አብ ኮሮም ተሳቲፉ። ብድሕሪኡ እውን አብ ኮሮም ዝነበረ ፀላኢ ድሕሪ ምድምሳስ ካብ ሓምለ 25-30 /2013 ዓ/ም ዝነበረ ፅዕፁዕ ውግእ ተሳቲፉ ፀላኢ ደምሲሱ እዩ። ስውእ ጅግና ተጋደላይ አማኒኤል ካብ ዕለት 1-2 ነሓሰ 2013 ዓ/ም አብ ሃራ፥ካብ ነሓሰ 14-15/2013 አብ መርሳ፥ ዕለት 17/2013 ነሓሰ አብ አምባሰል ተራራ፥ዕለት 24 ነሓሰ 2013 ዓ/ም አብ ጋፍራ አብ ዝነበሩ ውግአት ተሳቲፉ አቡኡ ዝነበረ ፀላኢ ምስጀጋኑ ብፆቱ ብምኳን ምሉእ ብሙሉእ ክድምሰስ ጌሩ እዩ። ስውእ ጅግና አማኒኤል አባዲ አብ መርሳ ንሓደ ወርሒ ዝአክል ወታደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ አብ ጥቅምቲ 06/2014 ዓ/ም አብ ገሪሩ አብ ዝተገበረ ውግእ ተሳቲፉ፥ ጥቅምቲ 8-12/2014 ዓ/ም አብ ሃይቅ ዝነበረ ከቢድ ውግእ ተሳቲፉ ሃይቅ ተቆፃፂሮም፥ ካብ 17-18 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ካብ ሃይቅ ክሳብ ኮምቦልቻ ሙሉእ ብሙሉእ ትቆፃፂሮም። ካብ ሕዳር 01-05/ 2014 ዓ/ም አብ አጣየ ን ሰንበቴን ዝነበረ ፅዕፁዕ ውግእ ተሳቲፉ እተን ከተማታት ሙሉእ ብሙሉእ ተቆፃፅሮምወን። ድሕሪዚ መንግስቲ ትግራይ ብዝነፀሮ አንፈት መሰረት መሬት አምሓራ ለቒቆም አብ ዓዲ ቀይሕ አዕሪፎም ንሓደ ወርሒ ዝአክል ድሕሪ ምፅናሕ ለካቲት 14/2014 ዓ/ም ብሸከትን አሪብትን አቢሎም አብዝተካየደ ውግእ ተሳቲፉ። ስውእ ጅግና አማኒኤል አባዲ መንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ብዝገበርዎ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ስምምዕ ስዒቡ አብ ዝተፈላለዩ ልምምዳትን ስልጠናታት ድሕሪ ምፅናሕ ልፍንታውያን ወረርቲ ዝአወጁልና ዳግማይ ጆኖሳይድ ብነሓሰ 21/2014 ዓ/ም አብ ደቡብ ግንባር ዝነበረ ውግእ ተሳቲፉ። ስውእ ጅግና ተጋደላይ አማኒኤል አባዲ ብግንባር ደቡብ ዝነበረ ፀላኢ እናደምሰሱ ካብ 23-30 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ከተማ ሰቆጣ ብምቁፅፃር አብ ሰቆጣ ፀኒሑ። ጳጉሜን 01/2014 ዓ/ም ናብ ምዕራባዊ ዞባ ፀሊሞይን ደደቢትን ብምንቅስቃስ ካብ 1-5 ጳጉሜን 2014 ዓ/ም አብ ደደቢትን ፀሊሞይን ዝነበረ ውግእ ብምስታፍ አብ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ክበፅሕ ናይ ባዕሉ እጃም አበርኪቱ እዩ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ አማኒኤል አብ ማይፀብሪ ዝነበረ ውግእ ካብ 08-13 መስከረም 2015 ዓ/ም ተሳቲፉ ዓዲ አርቃይ ተቆፃፂሮም። ብድሕሪ እዚ ካብ ዕለት 18 መስከረም 2015 ዓ/ም አብ ዝባን ገዛና፡ ዛገር ፡ ጎቦ ፀጋይ፡ ዓዲ ነብሪኢድ አብ ዝተገበረ ተከታተልቲን ህልክ ዘወድኡ ውግአት ተሳቲፉ እዩ። ስውእ ጅግና ተጋደላይ አማኒኤል አባዲ ካብ መስከረም 30-ጥቅምቲ 3 አብ ዝነበረ ከቢድ ውግእ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም አብ ዓዲ ዳዕሮ ተወጊኡ፥ አብ ከተማ ሽረእንዳስላሴ ሕክምና እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ዕለት 06 ጥቅምቲ 2015 ተሰዊኡ። ስውእ ጅግና ተጋደላይ አማኒኤል አባዲ ቀደማይ ቀብሩ አብ መዕርፎ ሃርበኛታት ሽረ እንዳስላሴ ተፈፂሙ። ካልአይ ቀብሩ ድማ 02 እና 03 /02/2016 አብ ከተማ ዓድግራትን አብ ወረዳ ጋንታአፈሹም ጣብያ ሓድነት ቁሸት ሰጣ ተፈፂሙ።