ኣስቴር ገ/ማርያም ገ/ሔር

  • ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ድብድቦ
  • ዕለተ‐ልደት: 12/02/1996
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 04/02/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ሓሙሲት

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ገ/ማርያም ካብ ኣቦኣ ሃለቃ ገ/ማርያም ገ/ሔር ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ኪዳን ገ/ፃድቃን ብዕለት 12/02/96 ዓ/ም ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ድብድቦ ተወሊዳ ዕድመኣ ናብ ትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1_8ይ ኣብ ድብዱቦ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተማሂራ ካብ 9_11 ኣብ ድብድቦ 2ይ ብርኪ ኣቤት ምህርቲ እናተምሃረት እና ሃለወት ወራር ትግራይ ተጀሚሩ::ንእስቲ ተጋዳሊት ኣስቴር እዚ ወራር ቀሺ ምስ መስቀሉ:ሓኪም ምስ መርፍኡ:ፈላሲ ምስ ቆቢዑ ሰበይቲ ምስ ቆልዓኣ ንማን ብዘይ ኣፈላላይ ዝቀትል:ኣደ ምስ ቃል ኪዳና:ንእስቲ ምስ ድንግልናኣ:ፈላሲት ምስ ቆቢዓ:ቆልዓ ሰበይቲ ከይፈለይ ዝካየድ ዝነበረ ፆታዊ ዓመፅ ክትግንዘብን ክትርዳእን ንኡስ ዕድሜኣ ኣይደረታን::እኻ ደኣስ ተኾርሚኻ ሞት ተዓፂፍካ ሞት ካብ ኮነ ፀላእተይ እናመከትኩ ተዘርጊሐ ምስ ክብረይ ዘይስዋእ ብምባል ብዕለት 03/9/2013ናብ ቃልሲ ተፀምበረት ኣብ ማእኸል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ፅጉሕ ኩለመዳይ ስልጠና ብግቡእ ብምፍፃም ብዕለት 04/11/2013 ተመሪቃ። ድሕሪ ምረቃኣ ኣብ ናይ ኣርሚ ሕክምና እናተምሃረት ክተገልግል ናብ ኣላማጣ ተልኣኸት::ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ፃንሒት ኣብ ኣላማጣ ኣነ ፀላእተይ ገፅ ንገፅ ገጢመ ክድምስስ እምበር ብድሕሪት ኮይነ ግልጋሎት ክህብ ኣይ መፃእኹን ብምባል ካብ ኣርሚ ሕክምና ብፍቃዳ ብምውፃእ ብዕለት 05/12/2013 ናብ ኣርሚ 24 ክ/ሰራዊት ሰዓረ ሬጅመንት 3 ሓይሊ 4 ጋንታ 3 መስርዕ 1 ኣጋር ኮይና ክትዋጋእ ተፀምበረት::በዛ ዕለት ኣብ ንፋስ ማውጫ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ውግእ ንፈለማ እዋን ብቀሊል ተወቂዑ ንቅድሚት ምስጓም ናይ ዝኣበዮ ብፃያ ብረት ኣልዒላ ሀ ኢላ ኣብ ጎኒ ብፆታ ኮይና ንኹሎም ሓደሽትን ነባራትን ብፆታ ዘገረመ ጀማሪት ዘይኮነስ ነባር ተጋዳሊት ዘምሰላ ብድፍረት ክልተ ድፋዕ ፀላኢ ክስበር ዘይነዓቅ እጃማ ተዋፀአት። ድሕሪ እዚ ንእስቲ ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ገ/ማርም ኣብ ፈለማይ ናይ ዉግእ ተሞክሮኣ ዝረኸበቶ ልምዲን ሞራልን ተጠቂማ ናፍቲ ወታደራዊ እስትራቴጅያዊ ጠቀሜትኡ ዝለዓለ ረብሓ ዝህብ ጎቦ ጉና ንምቁፅፃር ካብ ዕለት 9-10/12/2013 ኣብ ዝነበረ ከቢድ ውግእ ምስ ቁምቡላታት ፀላኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስቲ 4 ብፆታ ክስውኡ ምኽንያት ዝኾነ ከቢድ ቁሪ ተፃዊራ እቲ ዉግእ ብዓወት ክዛዘም ርኡይ ተራ ተፃዊታን ኣብዚ ውግእ ብዘርኣየቶ ድፍረትን ጀግንነትን ኣፍልጦ ንምሃብ ብመራሕታ ኣብ ሓፂር ግዜ ም/ኣዛዚ መስርዕ ኮና ተስየመት። ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ኣብ ሓፂር ግዜ ዘርኣየቶ ብቅዓትን ድፍረትን ኣብ ዘካየደቶም ውግኣት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ልምድን ዓቅምን እናወሰኸት ምምፃኣ ዘመስከረትሉ ከም ም/ኣዛዚ መስርዕ ኮይና ዘዋገኣትሉን ዝተዋግአትሉን ኣብ ከባቢ ጋሳየ (ደብረ ታቦር ) ካብ ዕለት11-14/12/2013 ከቢድን መሪርን ጀግንነትን ከምኡ እውን እቲ ትፍለጠሉ ድፍረት ምስኣ ከም ዘሎ ንመራሕታ ብተግባር ስለ ዘረጋገፀት ንቀፃላይ ዉግእ መራሒት መስርዕ ኮይና ተሰየመት። ኣብ ከባቢ ወልድያ ፀላኢ ዓሪዱ ንወልድያ ንምቁፅፃር ዘሎን ዘየለን ሓይሉ ተጠቂሙ ክመፅእ ከሎ ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ካብ ዕለት 20-30/12/2013 ኣብ ዝነበረ ፅዕፁዕን ዘየቋርፅን ዉግእ ከም መራሒት መስርዕ ኮይና ተዋጊኣን ኣዋጊኣን ኣብ ዝሓለፉ ዉግኣት ዘጥረየቶ ልምድን ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶን ድፍረት ብምቅንጃው እትሰርሖ ጀግንነት ንመራሕታ ስለ ዘገረመት ንቀፃሊ ተልእኾ ከም ም/መራሒ ጋንታ ኮይና ተሓርያ:: ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ዓቅማን ናይ ምምራሕ ከእለታን እናዓበየ ይመፅእ ከምዘሎን ምስ ድፍረታን ትብዓታን ተደሚሩ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረፈ ተስፋ ዝተነበረላ ተጋዳሊት እያ። ካብ መስከረም 30-03/02/2014 ፀላኢ ኣብ ጨርጨር ኣብ ዝነበረ ከቢድን ህልኽን ህልቂትን ዝተመልኦ ናይ ሞትን ሕውየትን ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ከም ም/መራሒ ጋንታ ኮይና ነዚ ከቢድን መሪር ዉግእ ብዕለት 03/02/2014 ዛዚማ ከምቲ ልሙድ መራሕታ ድማ ነቲ ዝገበረቶ ትብዓት ዝተመልኦ ኣመራርሓኣ ብምድናቅ መራሒት ጋንታ ኮይና ተሰይማ። ድሕሪ ምዝዛም ውግእ ጭፍራ ፀላኢ ኣሎ ዝበሃል ዓቕሙ ኣዋዲዱ ንስራዊትና ንምድምሳስ ዘሚቱ ዝነበረ ሰራዊት ንምምካት ኣስቴርን ብፆታን ነቲ ልዕሊ 80,000 ሰራዊት ኣዝሚቱ ዘሎ ፀላኢ ንምድምሳስ ብዘይ ወዓል ሕደር ምስ ድኻሞም ዕለት 03/2/2014 ለይቲ ሓሙሲት ኣትዮም ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ከም መራሒት ጋንታ ኮይና ነዚ ከቢድ ጥምጥም ምስ ፀላኢ ተዋጊኣን ኣዋጊኣን ጀግና ተጋዳሊት ኣስቴር ኣብ ሓሙሲት ብዓወት ሰራዊትና ዝተዛዘመ ዉግእ ክተፋርቆ እምበር ክትውድኦ ኣይተዓደለትን ብዕለት 04/02/2014 ምክትላ ዝኾነ ብፃያ ተወቂዑ ክተውፅኦ ምስ ከደት ንባዕላ እውን ብናይ ፀላኢ ጥይት ተወቂዓ ምእንቲ መሬታን ክብራን ክብርቲ ህይወታ ለጊሳ እታ ብብፆታን መራሕታን ኣብ ዝለዓለ ከትበፅሕ ተስፋ ዝተነበራ ንእስቲ ጎያ ከይፀገበት ወሊዳ ከይሰዓመት ንሓንሳብን ንሓዋሩን እብ ሓሙሲት ተሰዊኣ!! ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!