ጸሓየ ብርሃነ ተስፋይ

  • ትውልዲ ቦታ: እንዳ ባፃሕማ
  • ዕለተ‐ልደት: መጋቢት 09 1985
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 17 ሚያዚያ 2013
  • ቦታ መስዋእቲ: ቆላ ቴምበን

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓጺር ሂወት ታሪኽ ተጋዳላይ ጸሃየ ብርሃነ ተስፋይ ተጋዳላይ ጸሃየ ብርሃነ ተስፋይ ካብ ኣብኡ ኣይተ ብርሃነ ተስፋይ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣስዃል ወለንስአ ብዕለት 09 መጋቢት 1985ዓ/ም ዞባ ማእከለይ ወረዳ እንዳባጻሕማ ማይጨቀምጠ ቑሸት ደብረሊባኖስ ተወሊዱ። ኣብቲ ዝተወለደሉ ከባቢ ዝተወሰነ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስ በጸሐ ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ናብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ብምምጻእ ኣብ እንዳባጻሕማ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምርቲ ስሩዕ ትምህርቱ ጀመረ። ተጋዳላይ ጸሃየ ብርሃነ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ስፖትታዊ ምንቕስቃስትን ጸወታታትን ይፈቱ ስለ ዝነበረ ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ እውን እዚ ድሌቱ እዚ ኣበርቲዑ ብምቕጻል ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዉሩያት ካብ ዝነበሩ ስፖርተኛታትን ሰርከሰኛታትን ሓደ ኽኾን ከኣለ።ብፍላይ ድማ ብመዳይ ኩዕሶ ጽብቕ ዝበሃል ምንቕስቃስ ይገብር ነይሩ። ብባህሪኡ እውን እንተኾነ ምስ ኩሉ ሰብ ናይ ምቅርራብ ባህሪ ዘለዎ ኾይኑ ኩሉ ሰብ ዝፈትዎን ሰሓቓይ ጸወትኡ ዘይምኖንን ኹሉ ሰብ ብዘያፈላላይ ፍቕሩ ዝልግስ የዋህን ሓላይን ነይሩ። ተጋዳላይ ጸሃየ ብ2005 ዓ/ም ናይ 1ይ ብርኪ ትምህርቱ ዘጠናቐቐ እንትኸውን፡ ናይ 2ይ ብርኪ ትምህርቱ እውን ካብ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ወርዒ 2ይ ብርኪ ክቕጻል ኪኢሉ እዩ። ብ2007 ዓ/ም ናብ ሰራዊት ምኽልኻል ኢ/ያ ተጽምበር። ተጋዳላይ ጸሃየ ብርሃነ ኣብ ናይ ሰራዊት ምክልካል ጻንሒቱ መጀመርያ ብመደበኛ ወታደር ሰልጢኑ ዝወጸአ እንትኮን ኣብ 20ኛ ክ/ጦር ጸኒሑ እዩ። ቀጺሉ ድማ ካብ 07 ግንቦት 2009 ዓ/ም ክሳብ 28 ሕዳር 2010 ዓ/ም ብልዑል ብቅዓትን ብናይ ኮማንዶ ሞያ ተመሪቁ ኣብ ኣግኣዚ ክ/ጦር ብምኽትል ሓለቃ ዓሰርተ ኮይኑ ክሳብ መጋቢት 2011 ዓ/ም እናገልገለ ጸንሑ እዩ። ብድሕሪ እዚ ግን ምስቲ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነበረ ዘይምርግጋእን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ሰራዊት ኢ/ያን መራሕቲ እታ ሃገር ተራእዩ ዝነበር ትግራይን ተጋሩን ናይ ምቅንጻልን ምጽልእላእን ኩነታት ብምዕዛብ ብወርሒ መጋቢት 2011 ዓ/ም እቲ ዝነበሮ ሰራዊት ምኽልኻል ናይታ ሃገር ገዲፉ ናብ ትግራይ ክመጽእ ክኢሉ እዩ። ሚያዚያ ድማ ናብ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብምእታው ናይ ኮማንዶ ኣሰልጣኒ ብምዃን ከምኡ ዝበሉ ብቑዓት ኮማንዶታት ዘፍረየ ዜግነታዊ ግብኡ ብዝግባእ ዝተዋጽአን ጅግና ነይሩ። 24 ጥቅምቲ ብ2013 ዓ/ም ጸላእትና ብኩሉ ኣንፈታት ትግራይ ወራር እንትጅምሩ ተጋደላይ ጸሃየ ርስቲ ዓዲ ኣቦይ ክብሪ ህዝበይን ኣይደፍርን ብምባል ምስ ብጸቱ ኮይኑ ነዚ ወራር እዚ ኣብ ምምካት ብወርቂ ቀለም ተጻሒፉ ዝነብር ብደም ዝተሃተመ መስተንክራዊ ጅግንነት ፈጺሙ እዩ። ተጋዳላይ ጸሃየ ክብ ዝተሳተፈለን ውግኣት ብፍላይ ብግንባር ምዕራብ ዋዕላ ንህቢ፡ ገምሃሎ፡ ዓዲ ሃገራይ፡ ዛግር፡ ዳንሻ፡ ትርካን መዕርፎ ነፈርቲ፡ ባዕኸር፡ ኣፍጋሕጋሕ፡ ምፍልላይ፡ ብምቅጻል ድማ ብግምባር ምብራቕ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ምስ 525 ኮማንዶ፡ሓውዜን፡ገለበዳ፡ወርዒ-ወርቃ'ምባ፡ ጉሮሮ፡ ጅራ፡ ሰመማ ኮታስ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዳርጋ ኣብ ኩሎም ውግእ ዝተካየደሎም ቦታታት ምዕራብ፡ ስሜን ምዕራብ፡ ማእኸላይ፡ ምብራቕ ትግራይ ነቲ ሙሉእ ኣጽዋር ተዓጢቑ ዝመጸ ወራሪ ስራዊት ብምግጣም ተጋደላይ ጸሃየ ኣብ ጎኒ ብጾቱ ኮይኑ ፈተውቱን ናይ ቃልሲ መሓዙቱን ብኣግራሞት ክምዝምስክርሉ ብጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ድሕሪ ሕዳር 30/2013 ዓ/ም ዋላ እኳ መብዛሕቲኡ ከባብታት ትግራይ ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቑ እንተነበረ ተጋዳላይ ፀሃየ ብርሃነ ግን ሐዚ እውን ዕድመ ፀላኢ ብምሕፃር ህዝበይ ካብ መከራን ጭንቅን ተናጊፉ ክርኢ ይደሊ እየ ብምባል ዳግማይ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ናብ በረኻታት ትግራይ ክወፍር ካኢሉ እዩ። ንኽትድይቦም ህልኽካ ዘወድኡ ጎቦታት ደይቡ ፣ ኣብ ፃምእኻን ጥሜትካን ቁልቁል እትወርዶም ሽንጥሮታት እናወረደ ኣብ ርእሲ እዚ ብስንቅን ብዕጥቅን ዝተማልአ ሰራዊት እናገጠመ ታሪኽ ዘይርስዖ ቅያ ፈፂሙ እዩ። ቅያን ጅግንነትን ተጋዳላይ ፀሃየ ብርሃነ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ደኣ ገሊፅና እምበር ምእንተ ዓዱን ርስቱን ምእንተ ህዝቡን ኢሉ ስፍሓትን ወርድን ወረቐት ዘይድርቶም ፊደላትን ቃላትን ዘይገልፅዎም ዘስደምሙ ንውሉድ ወለዶ ዝንገሩ ታሪኻት በረኻታት ትግራይ ፈፂሙ ሓሊፉ እዩ። ሚያዝያ 16/2013 ዓ/ም እታ ተጋዳላይ ፀሃየ ብርሃነ ዝነበረላ ኣኣሃዱ ኣርሚ 1 ኮር 102 ከፍለ ሰራዊት ዓድዋ ልኡኽ ተዋሂብዋ ኣብ ጉዕዞ ኣንከላ ኣብ ከባቢ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ስምረት እንትትበፅሕ ሃንደበት ምስ ፀላኣኢ ተራኸበት። ይኹን እምበር ተጋዳላይ ፀሃየን ብፆቱን ከይተደናገፁ ምስዚ ፀላኢ ፊት ንፊት ክገጥሙ ክኢሎም እዮም። 16 ሚያዝያ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ዝጀመረ ውግእ ድማ ብዘይዕረፍቲ እናተዃሽሑ ውዒሎም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ፀላኢ ናይ ኣየር ድጋፍ ክገብር ሓሲቡ እኳ ኣንተነበረ ብናይ ተጋዳላይ ፀሃየን ብፆቱን ኣሃዱ ጅግንነት ግን እታ ኣየር ብጥይት ተወቒዓ ኣብ ከባቢ ጉያ ክትወድቕ ካኢላ እያ። እቲ ውግእ ቀፂሉ ኣምስዩን ሓዲሩን እዩ። 17 ሚያዝያ ኣውን ቀፂሉ ዝወዓለ እንትኸውን ኣብዚ ውግእ እዚ ተጋዳላይ ፀሃየ ሻለቃ 2 ወይ እውን 14 ኮማንዶ ኣብ እትብሃል ኮማንዶታት ጥራሕ ዘለዉዋ ሬጅመንት ኣዛዚ ጋንታ ኮማንዶ ኮይኑ ብዘስደምም ስርሒትን ብልሓትን እናተዋግአ እናዋገአን እናተዋገአን እንከሎ ሃንደበት ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰት ዓረር ተቀቒዑ 17 ሚያዝያ 2013 ዓ/ም ኣብ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ስምረት ክቡር መስዋኣቲ ከፊሉ ብጅግንነት ሓሊፉ እዩ። “ ፅንዓት ንብጾቱን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን!" “ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና”