
ዶ/ር ታከለ ተስፋይ ነጋሽ
- ትውልዲ ቦታ: ናዕዴር ዓዴት
- ዕለተ‐ልደት: 1959ዓም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 02/05/2013ዓም
- ቦታ መስዋእቲ: ዕዳጋ ሕብረት(ደባጉና)
ሓፂር ሂወት ታሪክ
መግለፂ ሓዘን ------------------ ምእንተ ሎሚ ክንህሉ፡ ትማሊ ምሳና ዝነበሩ ሎሚ ግን ዘለኣለማዊ ዕርፍቲ ዝመረፁ፡ ብዙሓት ተባዓትን ለባማትን ተጋሩ ካብ ጎንና ክፍለዩ ግድን ኮይኑ! ፍቅሪ ንዋይን ዝናን ገዲፎም ምእንተ ህዝብን ሃገርን ከም ሽምዓ ምምካኽ ምርጨኦም ብምግባር ምእንተ ህላወና ዘይትትካእ ሂወቶም ክኸፍሉ ዘይስስዑ ጀጋኑ ከምዘለው ግዜን ኩነታትን ኣርእዩና። መስዋእቲ ናይዞም መላምል መናእሰይን ሰብ ፀጋ ተመኩሮን ምእንተ መንነታዊ ህላወን ናጽነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ ወይ ዝደናገር ፈፂሙ ክህሉ የብሉን። ካብዞም ኩሉ ንድሕሪት ገዲፎም ምእንተ ዓዶምን ህዝቦምን መሪር ግን ድማ ክቡር መስዋእቲ ካብ ዝኸፈሉ ረዘንቲ ተጋሩ ሓደ ዶር ታከለ ተስፋይ እዩ። ዶር ታከለ ተስፋይ ብ1959ዓም እዩ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ተወሊዱ። ገና ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ጎና ጎኒ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍሊ ትምህርቱ ብናይ ናዕሉ ዓርሰ-ተበግሶ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ትምህርቲ ብምውሳድ ቅድሚ ኣጋር ሓኪም ኮይኑ ናብ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ምፅንባሩ ካብ 1973-1976ዓም ህዝባዊ ሓኪም ብምዃን ህዝባዊ ተወፋይነቱ ገና ካብ ዕሸል ዕድሚኡ 'ሀ' ኢሉ ዘርኣየ ዉፉይ ሰብ ነይሩ። ኣብ 1976ዓም ድማ ወዲ 17 ዓመት ብምዃን ናብ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ብምፅንባር እግረኛ ተዋጋኣይን ኣጋር ሓኪምን ኮይኑ ተመዲቡ። ኣብዚ ሕንቃቐን ክንክንን ዘድልዮ ዕሸል ዕድሚኡ ቁርን ሃሩርን፥ ፃምእን ጥምየትን ፥ ዕርቃንን ናፍቆትን ተፃዊሩ ፈለማ ህዝባዊ ሓኪም ቀፂሉ ድማ ንብዙሓት ብፆቱ ኣጋር ሓኪምን እግረኛ ሰራዊትን ብምዃን ቃልሲ 17ዓመት እግሪ ካብ ዘትከሉ ፅባሕ ኣማዕዲኻ ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ካብ ዝነበሮም ቆራፃት ተጋደልቲ ሓደ ነይሩ። ዶር ታከለ ብዝነበሮ ቅልጣፈን ተወፋይነትን ድማ ነቲ ዓዱን መረበቱን ገዲፉ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ ዝነበረ ህዝብና ሕክምናዊ ሓገዝ ክህብ ብውድብ ተሓርዩ ብ1977ዓም ናብ ሱዳን ተላኢኹ ነይሩ። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሳብ 1978ዓም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ማዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ነቲ ብጥምየትን ሕማምን ሰንሰን ዝበል ዝነበረ ህዝብና ሕክምናዊ ረዲኤት ንኽረክብ ለይትን ቐትርን ብምስራሕ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ኣበርክቶ ከወፊን ክብሪ ድማ ክረክብን ዝኸኣለ ምእዙዝ ነይሩ። ድሕሪ 1978ዓም ናብ ሓራ መሬት ትግራይ ተመሊሱ ብዘርእዮ ዝነበረ ተወፋይነትን ቅንዕናን፥ እምነትን ፅንዓትን፥ ሓቦን ተስፋን ድማ ሓኪም ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓት(ተጋ. መለስ ዜናዊ ዝነበሮ) ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብዚ ናይ ሓዝ ክሕዝ ዝኾነ ናይ 80ታት ከቢድ ኲናት ምስ ሰራዊት ደርጊ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ውቅሮ፥ ዓድግራትን ኣኽሱምን፥ ጎላጉል ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ከባብታት ዳንሻ ከምኡ እውን ኣብ ከባብታት ግጀትን ሰቆጣን ኣብዝነበሩ ከበድቲ ግን ድማ ወሰንቲ ዓውደ-ውግኣት ብምስታፍ ብኹነታት ዘይለዋወጥ መትከል ኣፅኒዑ ስርሑ ብብቅዓት ዝፍፅም እሙን ምንባሩ ብፆቱ ይምስክሩ። ኣብዚ ክትህሉን ዘይክትህሉን ጩራ ተስፋ ኣብ ዘይረኣየካ እዋን ከቢድ ኲናት ዶር ታከለ ግን ተስፋ ፅባሕ እናማዓደወ ጎና ጎኒ ወተሃደራዊ ወፍርታት ኣብ በዓትን እግሪ ፅላልን ኮይኑ እናተማህረ ብ1981ዓም ላዕለዋይ ነርስ ተባሂሉ ከምዝተመረቀ ብፆቱ ይዛረቡ። ድሕሪ ዓወት 1983 "ይኣኽለኒ" ትብል ቃል ከይተንፈሰ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብሙሉእ ልቢ ብምቅባል ኣብ ምስራቅ እዝ ተመዲቡ እናሰርሐ እናሃለወ ኣብ 1984ዓም ምስ ኦነግ ንዝፈለመ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ኦጋዴንን ምስራቅ ሀረርጌን ኣብ ዝነበረ ደማዊ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፉን ብብፆቱ ናእዳ ከምዘትረፈን ዝኽሪ ብፆቱ ይገልፅ። ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ምስ ኦነግ ድማ ነቲ ኣብ በረኻ ዝተመሃሮ ሕክምናዊ ትምህርቲ ስሩዕ ኣፍልጦ ኽወሃብ እንተኾይኑ ስሩዕ ትምህርቲ ክመሃሩ ከምዘለዎም መንግስታዊ መምርሒ ስለዝወረደ ዶር ታከለ ስሩዕ ትምህርቲ ነርስ ብምምሃር ብ1988ዓም ብዲፕሎማ ነርስ ተመሪቁ። ክሳብ ወራር ሻዕብያ ዝብገስ ድማ ብሞያ ነርሲንግ ኣብ ምስራቅ እዝ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ባሌጎባ ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ፀረ ኦነግ ወፍርታት ብዝተፈላለየ ሓላፍነት እናሰርሐ ፀኒሑ። ኣብ 1990ታት ምስ ሻዕብያ ኣብ ዝተገብረ ኣዕናዊ ኲናት ድማ "ናብ ሰሜን ሕለፉ" እትብል ቀጣን ትእዛዝ ምስተወሃበ ኣሃድኡ ወዲቡ ናብቲ ንምፍጣርካ ዘፅልእ ፃምእን ሃሩርን ዝፈራረቅዎ ጎላጉል ዓፋር ኣምሪሑ። ብተጋዳላይን ብሞዩኡን ድማ ነቲ መስመር ኢትዮ-ጅቡቲ ብምቁራፅ ክሳድ ኢትዮጵያ ክሓንቅ እየ ኢሉ ዝህንደድ ዝነበረ ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ግንባር ቡሬ ሕርሕራይ ጌርካ ኣብ ምምካትን ምድምሳስን ዘይርሳዕ ግደ ተፃዊቱ። ክሳብ 1992 ዓም ብተጋዳላይን ሓኪምን ብፆቱ ኣብ ምትብባዕን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ሰራዊት ኣብ ምውዳብን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝፈፀመ ናይ ቐረባ ብፆቱ ይዛረቡ። ኩነታት እናሃድአ ምስከደ ብ1992ዓም ብዝመፀ ናይ ዓቅሚ መዕበዪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ካብ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ስለዝተሓረየ ትምህርቲ ጥዕና መኮንን ንኽመሃር ናብ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ተመዲቡ። ለይትን ቀትርን ምስ ቢሮን ወረቀትን ከይተፈላለየ ድማ ኣብ 1994ዓም ብኽብሪ ተመሪቁ። ብዘርኣዮ ልዑል ናይ ትምህርቲ ድሌትን ዓቅምን ተቀራራባይ ባህርን ትስፉው ስነ-ልቦንኡን ድማ ብዙሓት ኣብ ጅማ ዩኒቨርስቲ ዝነበሩ መማህርቱን ኣዕሩኽቱን ይዝክርዎ። ጥዕና መኮነን ኮይኑ ድሕሪ ምምራቁ ኣብ ከባብታት ኦጋዴንን ንዝነበረ ምንቅስቃስ ኣልሸባብን ስውር መሓውር ሻዕብያን ንምምካት ናብቲ ከባቢ ተመሊሱ እዩ ተመዲቡ። ግዴትኡ ድማ ከም ትማሊኡ ብብቅዓት ከምዝተዋፅአ ይንገረሉ። ዶር ታከለ ህዝባዊ ናይ ቃልሲ ወኒኡ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓፂሩ ኣይተረፈን። ኣባል ዓቃቢ ሰላም ኮይኑ ብ1996/1997 ዓም ኣብ ላይበርያ ሓልፊ ሻለቃ ሕክምና ብምዃን፥ 2006/2007ዓም ድማ ኣብ ሱዳን ፕላን-1 ወይድማ ሓላፊ ወፍሪ ዓቃቢ ሰላም ኮይኑ ክሳተፍ ዝኽኣለ ናይ ሰርተፊኬት፥ ሜዳልያን ሪቫንን ድማ ዝተሸለመ ውፉይን ህርኩትን ትግራዋይ ነይሩ። ድሕሪ መልሲ ካብ ላይበርያ ድማ ኩሉ ድሕሪ ሃገር ዝብል ፅኑዕ እምነት ስለዝነበሮ ንስድርኡ ግዜ ከይሃበ ቀጥታ ናብቲ1998/99 ምስ ኣልሸባብ ዝግበር ዝነበረ ኲናት እዩ ኣትዩ። ግምባር ሓኪም ብምዃን ድማ ደኺሙኒ ሰልኪዩኒ ከይበለ ለይትን ቀትርን ኣብ ምስራቅ እዝ ኮይኑ ግዴትኡ ብልዑል ዓቅሚ ከምዝፈፀመ ብፆቱ ይዛረቡ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣልሸባብን ዝነበረ ኲናት ብዓቃቢ ሰላም ምትክኡ ስዒቡ ዶር ታከለ እንደገና ናብ ትምህርቲ ገፁ ብምምላስ ካብ 1999 ክሳብ 2003 ድማ ኣብ መከላከያ ጤና ሳይንስ ኮሌጅ ሓፈሻዊ ሓኪም ኮይኑ ተመሪቁ። ንዝተወሰኑ ዓመታት ድማ ኣብ ጦር ሃይሎች ሆስፒታል ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ማህፀንን ጥንስን ብምዃን እናሰርሐ ድሕሪ ምፅንሑ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተገልፀ ሓላፊ ወፍሪ(ዘመቻ) ፕላን-1 ብምዃን ኣብ ዳርፉር ሱዳን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዓቃቢ ሰላም ኣገልጊሉ። ካብ ናይ ሱዳን ዓቃቢ ሰላም ድሕሪ ምምላሱ ድማ ብ2009ዓም ካብ ጦር ሃይሎች ሆስፒታል ብሞያ ማህፀንን ጥንስን ስፔሻላይዝ ክገብር ናብ መቐለ ዩኒቨሲቲ ኣምሪሑ። ምስ ዕድሚኡ ዘይመጣጠን ቅልጣፈን ተወፋይነትን፡ ሓልዮትን ቅንዕናን፥ ሰብ ምኽባርን ምእዙዝነትን ብምርኣይ ብፅቡቅ ውፅኢት ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቱ ብምክትታል ኣብ 2013ዓም ተመሪቁ። ነቲ ኣብ 2013ዓም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ጥፍኣት ኲናት ንምብዳህ ድማ ከም ኩሉ ትግራዋይ ዕለት 19 ሕዳር 2013ዓም ናብ በረኻታት ትግራይ ወፂኡ። ካብኡ ዝፅበ ኩሉ እናፈፀመ ድማ ንኣዋርሕ ፀኒሑ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዝተፈጠረ ምብትታን ሰራዊትን መሪሕነትን ትግራይ ስዒቡ ድማ ዝተወግኡ ብፆቱ ብምሓዝ ኣብ በረኻታት ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ (ደባጉና) ከባቢ ዕዳጋ ሕብረት ፍሉይ ሽሙ ሜሊ ብፆቱ እናሓከመ እናሃለወ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ወዲቁ። ዶር ታከለ ዕለት 02 ጥሪ 2013ዓም ብጨካናት ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ናይ መዓልትታት መከራን መሪር ስቃይን ከም ገንሸል በጊዕ "ብኻራ ተሓሪዱ" መስዋእቲ ከፊሉ። ሰራዊት ሻዕብያ ኣስክሬን ስውእ ጀግና ተጋዳላይ ዶር ታከለ ተስፋይ ሓመድ ድበ ከይለብስ ብምኽልካሉ ንመዓልትታት ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ ከምዝፀንሐ ብቀረባ ዝረኣይዎ ብፆቱን ቤተሰቡን ይዛረቡ። ኣብዚ ዕርፍቲ ዘይብሉ ፅዑቅ ናይ ምግዳል ሂወት ዶር ታከለ ካብ በረኻታት ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ዝተፈላለያ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ኢትዮጵያ ትምህርቲ ቀዳማይ ረዲኤት ፡ ትምህርቲ ነርሲንግ፡ ትምህርቲ ጥዕና መኮንን ፥ ትምህርቲ ጠቅላላ ሓኪምን ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ብቅደም ሰዓብ ክመሃር ዝበቅዐ ድኻም ዘይፈልጥ ፃዕራም ሰብ ነይሩ። ምስ ክቱር ናይ ስድራን ቤተሰብን ናፍቆቱ ፥ ምስ ዝመፀ ይምፃእ ብድሆ ዘይቀያየርን ዘይፅልምትን ድሙቅ ተስፉኡ ፥ ምስ ኩነታትን ግዜን ዘይቕየር ህዝባውነቱ ኣሎ እናበልናዮ ክወድቅ ዘይነበሮ ኮኾብ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ወዲቁ! ዶር ታከለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ምዃኑ ይፍለጥ! ንዶር ታከለ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንመላእ ስድራን ብፆቱን ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ ፅንዓት ይሃበና!