ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል

  • ትውልዲ ቦታ: ወረዳ ጋ/ኣፈሹም ጣብያ ሓድነት ፍሉይ ሽሙ ዞሞላ
  • ዕለተ‐ልደት: 05 ታሕሳስ 1996 ዓ/ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 11 ሕዳር 2015 ዓ/ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ነበለት

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ህይወት ታሪኽ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ካብ ወላዲኡ ነባር ተጋዳላይ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ባይሩ ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ መብርሂት ገ/ሊባኖስ ገ/ስላሴ ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ወረዳ ጋ/ኣፈሹም፣ ጣብያ ሓድነት፣ ቁሸት ደ/መዓር፣ ፍሉይ ሽሙ ዞሞላ ብ ዕለት 05 ታሕሳስ 1996 ዓ/ም ተወሊዱ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ኣብ ኩሎም ሕርሻዊ ማእቶታት ንስድርኡን ቤተሰቡን እናሓገዘ ዝዓበየ እንትኸውን ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ኣብ ምጉላት ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ብመምህራኑ ይኹን ቤተሰቡን መሓዙቱን ኣመና ፍቱውን ምስጉንን ነይሩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ናይ 8ይ ክፍሊ ትምህርቱ ምስዛዝመ ዋላ እኳ ትሕቲ ዕድመ እንተነበረ ብ 2013 ዓ/ም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ብዝገበርዎ ወራር ህዝቢ ትግራይ እንትቅተል ምስ ረአየ፣ ሃፍቱን ጥሪቱን ብባዕዳውያን ወረርቲ እንትውሰድ ምስ ረአየ፣ ኮታስ ብ ልፍንታውያን ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥ በደል እንትበፅሕ ምስ ረአየ፣ ኣነ ነዚ በደልን ወፃዓን እዚ ክፃወሮ ኣይክእልን ብምባል ምእንቲ ህዝቡን ዓዱን ፣ ዓዱን ህዝቡን ሓራ ንምውፃእ ፣ ብሓያል ወነን ህልኽን ፣ ብዓርሰ ፍቃዱ ኣንፃር እዞም ወረርቲ ክቃለስ ኣብ 17 ዓመቱ ናብ ማእኸል ታዕሊም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ፅጌ ረዳ ብወርሒ ግንቦት 2013 ዓ/ም ተፀምቢሩ። ኣብቲ ማእኸል ታዕሊም ን ሓደ ሰሙን ዝተውሃቦ ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ብዝግባእ ተኸታቲሉ ኣብ ኣጉላዕ ፈዳይ ሕነ መሰልጠኒ ማእኸል 1ይ ዙር ተመሪቁ እዩ። ድህሪ እዚ ብዝነበረ ፁዕፁዕ ውግእን መጥቃዕትን ሰራዊትና ቅልጡፍ ሓገዝ ይጠልብ ስለዝነበረ ድሕሪ ናይ መዓልትታት ጉዕዞ ዓጃቢ ኣዛዚ ክፍለሰራት ኮይኑ ናብ ኣርሚ 33 ኮር 333 ክፍለ ስራዊት ኣልውሃ ተፀምቢሩ። ድሕሪ መስዋእቲ እቲ ኣዛዚ ድማ ናይ ክፍለ ሰራዊት ሎጂስቲክስ (ቀለብ ሓላፊ) ኮይኑ ተመዲቡ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ናብ ኣሃደኡ ካብ ዝፅምበር ጀሚሩ ኣብ ዝበሮ ቃልሲ ፅቡቅን ሓላልን ፅፉፍን ተጋዳለይ ነይሩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ንህይወቱ ዘይስስዕን በጃ ብፆቱ ዝሓልፍ ውፉይ ብፃይ ነይሩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ኣብ ዝገበሮ ብዙሕ ቃልስታት ኣብተን ውሑዳትን መረርትን ናይ 71 (ሰባዓን ሓደን) መዓልትታት ፁዕፁዕ ውግኣት ንምእማኑ ዘፀግምን ተኣምር ዘብልን ብዙሕ ታሪኽ ኣመዝጊቡ እዩ። ካብተን ብዙሓት ዝተሳተፈለን ውግኣት እተን ዝተወሰና ፍሉይ ብቃዓቱ ዘመስከረለን ቦታታት ን ኣብነት ንምግላፅ፤ ኣብ ግንባራት ቆቦ፣ ሰቆጣ፣ ፀሊሞይ፣ ዓዲ ኣርቃይ፣ ዛግር፣ ዝባን ገደና፣ ዓዲ ዳዕሮ፣ ዓዲ ኾኾብ፣ ምፍልላይ፣ ነበለት። ኣብዘን ቦታታት ብጣዕሚ ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊቡን ፍሉይ ናይ ውግእ ክእለቱ ኣመስኪሩን እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ብፍሉይ ብፍሉይ ኣብ ምፍልላይ ዝበሃል ቦታ ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝኾረዕሉን ብብቅዓቱ ዝተገረመሉን ፣ ኩሉም ብፆቱ ዝተሓበኑሉ ፍልይ ዝበለ ዓወት ኣመስኪሩላ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ብዝሰርሖ ጅግንነት ኣብ ምፍልላይ ዋላ እኳ ናብ ውግእ ክዋጋእ ኣይፈቀደሉ ካብቲ ዝነበሮ ስራሕን መሪሕነትን ተደራቢ ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብቲ ምፍልላይ ዝበሃል ቦታ ብዝገበሮ ተሪር ውሳነ ንዘለኣለም ኣብ ማህደር ታሪኽ ቃልሲ ትግራይ ተሰኒዱሉ ኣሎ። ኣሃዱታት ኩለን እንተሳሕባ ንሱ ግን ብዝሓዞ ንብረት “እስቲ ሕለፉ? ዓድኹምን ህዝብኹምን ሓዲግኩም ናበይ ኢኹም ክትከዱ?” ኢሉ ከልኪሉወን እዩ። በዚ ብምቅፃል ካብተን ዝፈረሳ ኣሃዱታት ብሬን ኣሕዲጉ እናተዋገአን አናዋገአን ውዒሉ እዩ። ፍልይ ዝበለ ጅግንነት ድማ ኣመስኪሩ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ ሚኪኤለ ገ/ህይወት ገ/መስቀል ክሳብ እቲ ውዕሊ ፕክቶርያ ክቃለስ ፀኒሑ እዩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ነበለት ቁሸት ዓዲ ወገኖም ዝበሃል ቦታ ብ 11 ሕዳር 2015 ዓ/ም ኣብ 20 ዓመቱ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ክፍለየና ክኢሉ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና! ፅንዓት ንመላእ ቤተሰብን ፈተውትን ኣርሚ 33፣ ኮር 333 ክፍለሰራዊት ኣልውሃ