
ግርማይ አረቂ ገዛሀኝ (ወዲ ነቅሰገ)
- ትውልዲ ቦታ: ነቅሰገ
- ዕለተ‐ልደት: 1988
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 2014
- ቦታ መስዋእቲ: ቆቦ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ግርማይ አረቂ (ወዲ ነቅሰገ) ምስ ጸላዕቲ እናተኻሽሐ ዋላካ ብዙህ ግዜ ተውቅዑ ዕረፍቲ እነተተወሃቦ ቁስሉ ከይሃውየ ካብ ብጾተይ አይፍለይን ብምባል፣ ናብ አሀዳኡ ተመልሱ ዝቆሰሉ ብጾቱ ሕዙ ናብ ህክምና እናመጽአ አብ ከባቢ ቆቦ ብድሮን ተውቅዑ ብ ታህሳስ/ 02/ 2014 ተሰውኡ። ጅግና ተጋዳላይ ግሪማይ ሓዳር ምስገበረ ገና አብ ወርሑ ከይመልአ ናብ ምግዳል ዝወጸ እንትኸውን አቦ ሓንቲ ቆልዓ ነበረ። ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ግርማይ እግረኛ፣ ናይ ስለያ ስራህቲ፣ ናይከበድቲ ኦራላት አሽከሪካሪ ኮይኑ ምንቱ ነጻነት ህዝቡ ይቃለስ ነበረ። ክብርን ሞገስን ንስወአትና! ንዘለዓለም አብ ልብና አለኹም!