ባህረ ገ/ሄር ኣብርሃ

  • ትውልዲ ቦታ: ሓንግዳ
  • ዕለተ‐ልደት: 10-01-1985ዓ.ም
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 27-02-2015ዓ.ም
  • ቦታ መስዋእቲ: ኣዋሽ

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ሂወት ታሪኽ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ካብ ወላዲኡ ኣይተ ገ/ሄር ኣብርሃ ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ሸፈና ሃይሉ ኣብ ወረዳ ሳ/ፃ/እምባ ጣብያ ሓንጎዳ ቁሸት ሓንጎዳ ብ10/01/1986 ዓ.ም ተወሊዱ፡፡ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በፅሐ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደቬን ምስዛዘመ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ ኣብ ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ከተማ ፍረወይኒ 2ይብርኪ ቤት ትምህርቲ ተኽሊ ስውኣት ተማሂሩ፡፡ ብ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ድማ በ ምእታው ብ መካኒካል ኢንጅነሪንግ ን 5ተ ዓመታት እናተከታተለ ድሕሪ ምፅናሕ ብ2010 ዓ.ም ብዝላዓለ ነጥቢ ብዲግሪ ተመሪቑ፡፡ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዓ.ም ኣብ ጣብያ ሓንጎዳ ናይ ኢኮኖሚ ዘርፍ ሓላፊ ኮይኑ ንህዝቡ ብቅንዕና እናገልገለ ምሰ ፀነሐ ብ ልፍንታውያን ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ንሓዋሩ ካብ ምድረ ገፅ ንምጥፋእ ተላፊኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወራር ምስፈፀሙ ድማ እዞም ወረርቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዝነበረ ግፍዒ ምት፣ብጅምላ ምድፋር ፣ንብረት ህዝቢ ትግራይ ምውራር ምዕናውን ተቆጢዑ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ነቲ ግፍዒ ንምውጋድ ናብ ሜዳ ወሪዱ፡፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2013 ዓ.ም ኣብ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ፅጌረዳ ተጋዳላይ ባህረ ታዕሊሙ ምሰዛዘመ ሓምለ 2013 ናብ ኣርሚ 3 ተመዲቡ፡፡ 8 መስከረም 2014 ካብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲግራት ተበጊሳ 9 መስከረም ስሪንቃ ዝኣተወት ኣርሚ 3 ኣብዚ እዋን እዚ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ቀዲማ ክፍሊ መሃንዲስ ንድሕንነት ኣርማ ክበሃል ኣብ ቆቦ ካብ መስከረም 12 ጀሚሩ ኣብ ቆቦ ናይ መሃንዲስ ስልጠና ንክወስድ ተሓርዩ ኣብ ቆቦ ስልጠና ወሲዱ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ 2ይ ዙር ስልጠና ካብ 24 ክሳብ 30 መስከረም እውን ናይ ተግባር መሃንዲስ ስልጠና ወሲዱ ብዝለዓለ ብቕዓትን ጅግንነትን ብምዝዛም በጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ፡፡ ጥቅምቲ 1/2014 ዓ.ም ናይ ኣምባሰል ዘሎ ናይ ፀላኢ ዕርዲ ንከጥቅዕ ድማ ልኡኽ ተዋሂቡ፡፡ኣብዚ ምስ ሰርዶ ክ/ሰራዊት ብምኳን ናይታ ክ/ሰራዊት መውፅእን መእተውን መጥቅዕን መከላኸልን መንገዲ ብምሕንፃፅ ኣብ ክፍሊ መሃንዲስ ኮይኑ ኣምባሰል ዝነበረ ፀላኢ ከም ዘይነበረ ኮይኑ ንክድምሰስ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ካብ ጥቅምቲ 1 ክሳብ 20 ጥቅምቲ 2014ዓ.ም ብዘይምቁራፅ ንዒስራ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ውጉኣት ማለት እውን 32 ክሳብ ኣፍንጭኡ ዝተዓጠቑ ክ/ሰራዊት ፀላኢ ዝተሳተፈሉ ኩናት ንደሴ ንዘይምልቃቅ ዝተገበሩ ውጉኣት ኣምባሰል ፣ሰፈር ሱዳን ፣ውጫሌ፣ሮቢት፣ጎቦታት ማርየ፣ሃይቂ፣ደሴ ዝነበረ ፅዑቅ ውጉእ ለይትን ቀትርን ኩናት ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ብሰለትን ጥበብን ወታሃደራዊ ሳይንስ መሃንዲስ ኮይኑ እናተዋገአን መእተውን መውፅእን እናመርሐን ዓወታት ንኽርከቡ ንምግላፁ ዝኸብድ መሰተንክራዊ ስርሒት ፈፂሙ እዩ፡፡ ካብ ኣይጠየቅ ንምዕራብ ኣንፈት ናይ ፀላኢ ምንቅስቃስ ብምንባሩ ኮር 313 ልኡኽ ተዋሂብዎ ኣብ እትንቀሳቀሰሉ እዋን ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ናይቲ ኮር መሃንዲስ ኮይኑ ብምምራሕ ገራዶ ፣ጉጉፋቶ፣ጉርሻ ዝነበሩ ካብ ጥቅምቲ 25-27 ዝነበረ ፅዑቅ ኩናት ብዘይዕረፍቲ ለይትን ቀትርን ተዋጊኡ፡፡ ኣብዚ ዝነበረ ፀላኢ ንኽድምሰስ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ነይሩዎ፡፡ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ንቅድሚት እናገስገሰ ካብ ጥቅምቲ 27-28 ,2014 ዝነበረ ፀላኢ ቆሪፅካ ናብ መሃል ሜዳ ዝወስድ ኣስፋልት ንምሓዝ ዝተገበረ ኩናት ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር መሃንዲስ ናይቲ ኮር ኮይኑ ዝገበሮ መስንተንክራዊ ስርሒት ሰራዊት ትግራይ ካብ ፀላኢ ብዝመንዝዖም ዕጥቅታት ክሳብ ኣፍንጭኡ ንኽዕጠቅን ንካልኦት ኣሃዱታት ኣርሚ 31 ነኽዕጠቅን ኣብ፡ዝነበረ ዓውደ ኩናት መሃንዲስ ኮይኑ ተዋጊኡን ብልዑል ጀግንነት ግቡኡ ፈፂሙ እዩ፡፡ ካብ ጥቅምቲ 28-ክሳብ ሕዳር 3 /2014 ዓ.ም ምትዕርራይ ብምግባር ንኸተማ ከምሴ ካልእ ልኡኽ ብምሃብ ከተማ ከምሴ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ሕዳር 4 /2014 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ንኽትኣቱ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ፡፡ ኣብዚ ዝነበረ ኩናት መሃንዲስ ክፍሊ ኣርሚ 31 ኮር 313 ግንባር ቀደም ብምኻን መንገዲ ፀሪጋ ኣብ ምጉዓዝን ኣብ ምምራሕን ዓብይ ግደ ተፃዊታ ፡፡ ኣብዚ ዕለት ፀላኢ ውቅዒት ሰራዊት ትግራይ ብመሬት ስለ ዘይካኣሎ መሃንዲስ ክፍሊ ኮር 313 ማለት ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ዝሓዘት ተሽከርካሪት ሕዳር 4 2014 ዓ.ም ብድሮን ፀላኢ ተወቂዓ ፡፡ኣብዚ ናይ ድሮን ጥቅዓት ምስኡ ዝነበሩ ብፆቱ እንትስውኡን እንትቆስሉን ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ውሑዳት ብፆቱን ብቀሊል ቆሲሉ ተሪፋ፡፡ ድሕሪ እዚ ድማ ቆሲሉ እንዳሃለወ ብጅግንነትን ኒሕን ብምቕፃል ካብ ሕዳር 5-11 2014 ዓ.ም ካብ ሰንበቴ ክሳብ ሽዋሮቢት ዝነበሩ ከበድቲ ውጉኣት ለይትን ቀትርን ብዘይዕረፍቲ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ተዋጊኡ ብዓወት መሰሰ ዝበለ ጅግና እዩ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ፡፡ ካብ ሕዳር 11 - ክሳብ ሕዳር -13 ናይ ኣወዳድባ ስራሕቲ እንትግበር ሕዳር 14- 18 ጉዕዞ ናብ ሃይቂ ንድሕሪት ንጭፍራ ንምዕፃይን ናብ ጭፍራ ጉዕዞ እንትግበር ግንባር ቀደም መሃንዲስ ኮይኑ ኣዋጊኡነን ተዋጊኡን እዩ፡፡ ዝነበረ ገዚፍ ፀላኢ ከምዘይነበረ ብምግባር ካብ ጥቅምቲ 21-24 ኣብ ኣይጠየቕ ደሴ ብምቁፅፃር ፀኒሓ፡፡ ሕዳር 19/2014 ዓ.ም ፀላኢ ኣገው ቆሪፁ ንኽመፅእ ምሰሐይ ሳምረ ድራረይ መቀለ ዝብል ሒዙ፡ዝመፀ ፀላኢ ሕዳር 20 ጉዕዞ ናብ ጋሸና እንትግበር ሕዳር 21 ሃሙሲት ውግእ ተኸፊቱ ኣብዚ ዝነበረ ልዕሊ 5 መዓልቲ ውግእ ክፍሊ ምህንድሰና ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ብልዑል ጥበብን ሕራነን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ኣብፂሖም፡፡ ካብ ሕዳር 29 ክሳብ ታሕሳስ 1/2014 ዓ.ም ልዕሊ 81 ሽሕ ሰራዊት ፀላኢ እንተሰልፍ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄርን ብፆቱን ብፅንዓት ጅግንነት ብምውጋእ ንፀላኢ ሕርሕራይ ገይሮም ክፀራረግ ገይሮምዎ እዮም፡፡ ታሕሳስ 5/2014 ዓ.ም ፀላኢ ብግሬና ቆሪፁ እንትመፅእ ካብ ታሕሳስ 5 ክሳብ ታሕሳስ 7 ለይትን ቀትርን ኣብ ሰሜን ወሎ ፣ሰፈር ሱዳን ፣ግሬና ፣ውጫሌ ከቢድ ውግእ እንትካየድ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ብዝገርም ብቅዓትን ጅግንነትን ተዋጊኡ ግቡኡ ፈፂሙ እዩ፡፡ ብድሕሪ እዚ ታሕሳስ 8 ,2014 ዓ ,ም ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕነት እንትካየድ ካብ ሰሜን ወሎ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ሒዋነ ኣሃዱ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ኣትያ፡፡ ታሕሳስ 12 ክሳብ 22 /2014 ዓ.ም ብሰቆጣ መስመር ሓዱሽ ናይ ፀላኢ ምንቅስቃስ እንትረአ ታሕሳስ 23 /2014 ዓ.ም ጉዕዞ ናብ ቀዳሚት ኮይኑ፡፡ ታሕሳስ 24/2014 ኣብ ቀዳሚት ንዝቛላ መካየዲ ባልታርፍ ዝበሃል ቦታ ከቢድ ውግእ ተሳቲፋ፡፡ ናይ ምክልኻል ቦታ ተኻይዱ ናይ መሃንዲስ ቅየሳ ተገይሩ ካብ ናይ መሬትን ሰማይን ዝከላኸል ኮር መሃንዲስ ድፋዕ ሰሪሖም ን3 ወርሒ ምክልኻል ወረዳ እንትግበር ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ብፅንዓት ግቡኡ ፈፂሙ እዩ፡፡ ካብ 5 መጋቢት ክሳብ ጉንበት ኣብ ዝተኻየደ ስልጠና ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ብንቅሓትን ትምህርትን ተሓርዩ ሓዱሽ ሞዴል ቴራ፡ዝብል ሬድዮ ክሕዝ ብምግባር ናይ ቴራ ኦፕሬተር ተመሪፁ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ካብ ጉንበት ክሳብ ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሞያዊ ምህንድስናን መራኸብን ስልጠና ወሲዱ፡፡ ድሕሪ እዚ ሓዱሽ ናይ ፀላኢ ምንቅስቃስ ብደቡብ ግንባር ስለ ዝተርአየ ካብ ከተማ ሽረ ናብ ደቡብ ባላ ጉዕዞ ተገይሩ ፡፡ ነሓሰ 17/2014 ዓ.ም ኣብ ሰሜን ወሎ ዞብል ውግእ እንትካየድ ኣብዚ እዋን ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ናይ ኣዛዚ መገናኛ ስለ ዝነበረ ኣመራርሓ ቀልጢፋ ክርዳእ ፣ውግእ ብሓፂርን ግዘን ብዓወት ንኽዛዘም ዝለዓለ ጅግንነት ካብ ዝፈፀሙ መሪሕነት እቲ ቁልፊ ነይሩ፡፡ ኣብዚ እዋን ዞብል ተራራ ንምሓዝ ዝተውሃበ ናይ 4 መዓልቲ ልኡኽ ኣብ 1 መዓልቲ ብዓወት ንክውዳእ ፋሉይ ጅግንነት ካብ ዝፈፀሙ መሪሕነት ሓደ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ነይሩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ሰርዶ ፣ኣምራ፣ማርዋ ወዲኢኻ ዶ እንዳበለ ብጥብቂ እናተኸታተለ ዘበሰረ ጅግና መራኸቢ ዓብይ ስርሒት ዝሰርሐ ንመራሕቲ ክፋለ ሰራዊት እንኳዕ ናትና፡ኮንኩም ፣ጀጋኑ ኢኹም፡ብምባል ናይ መራሕቲ ሞራል እናሃበ ኮዳት እናቀያየረ ፣ብፍሉይ ጅግንነት እናተኻሸሐ ብሉፅ ኦፕሬተር ነይሩ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር መስከረም 9/2015 ዓ,ም ብምዕራብ ግንባር ልኡኽ ብምሓዝ መስከረም 10/2015 ዓ.ም ጉዕዞ ናብ ዛግር ኮይኑ፡፡ ፀላኢ ዘራያት ሓዊሱ ዘየለን ዘሎን ሓይሉ ኣተኣኻኺቡ ከም ብሓዱሽ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፉእ ብሰማይን መሬትን ቁምብላታት ኣብ መሬት ትግራይ እንተዕርፍ ካብ መስከረም 14 ክሳብ መስከረም 21/2015 ዓ,ም ኣብ ፀሊሞይ፣ዛግር፣ዓዲ ነብሪ ኢድ ዓዲ ዳዕሮ ፣ሰለኽለኻ ፣ምፍልላይ ፣ዕዳጋ ዓርቢ ፣ዕዳጋ ሓሙስ፣ወርዒ ኣብ ዝተኻየዱ ከበድቲ ፅዑፁዕ ውግኣት ተጋዳለይ ባህረ ገ/ሄርን ምስ ብፆቱ ብምኳን ታሪኽ ዘይርስዖ ደመቅቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ፡፡ በቲ እዋን መስከረም 22/2015 ዓ.ም ኣርሚ 31 በግንባር ዛላምበሳ ዝመፀ ፀላኢ ንምምካት ሓዱሽ ልኡኽ ተዋሂብዋ ከባቢ ሓውዜን መጋብ ክትሓድ ተገይሩ፡፡ ኣብዚ ኣብ ዝሓደረትሉ እዋን ኣርሚ 31 ሰለሰተ ልኡኻት ነይሮምዋ እቲ ሓደ ካብ ዛላምበሳ ዝመፀ ፀላኢ ንምድምሳስ ካልኣይ ብነበለት ሰንጢቁ ዝመፀ ገዚፍ ፀላኢ ምውቃዕን ሳልሳይ ድማ ብዴስኣ ኣቢሉ መቀለ ንምሓዝ ዝመፀ ሓይሊ ንምክልኻል ኣብ መጋብ ክትሓድር ተገይሩ፡፡ እዚ ዝተውሃባ ልኡኽ ሒዛ ፀላእቲ ንምድምሳስ ኣርሚ 31 ጉዕዞ ናብ ግንባር ዛላምበሳ እንትትገብር ጀግና ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ብመስተንክራዊ ጅግንነት መምርሒ ኣብ ዝህበሉ እዋን ብናይ ፀላኢ ድሮን መስከረም 23 /2015 ዓ.ም ተወቂዑ ሕክምና እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ጥቅምቲ 27 /2015 ዓ.ም ብክብሪ ድሙቅ ታሪኽ ፅሒፋ ተሰዊኡ፡፡ ስነ ስርዓት ቀብሩ ድማ ኣብ መዕረፊ ጀጋኑ ስውኣት መቀለ እንዳ ገብሪኤል ቤተክርስትያን ጥቅምቲ 27 /2015 ዓ.ም ተፈፂሙ፡፡ ጅግና ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር እታ መታካእታ ዘይብላ ሂወቱ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ክብል በጃ ኮይኑ ንዓና ንተረፍቲ ሓደራ ገዲፉልና ከይዱ ኣሎ፡፡ ንስድራ ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ን ብፆቱን ፅንዓት ይሃብኩም ፡፡ ን ተጋዳላይ ባህረ ገ/ሄር ድማ ፈጣሪ ነብሱ ኣብ ጎኒ ፃድቃናት የዕርፋ፡፡ ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና ፡፡ 20 መስከረም 2016 ዓ.ም