ክፍሎም ገ/ስላሰ ክንፍ /አምሃራይ/

  • ትውልዲ ቦታ: መቀለ
  • ዕለተ‐ልደት: 10/4/1986
  • ዕለተ‐መስዋእቲ: 12/4/2014
  • ቦታ መስዋእቲ: ማይ ቀይሕ (ዓዲ ቀይሕ)

ሓፂር ሂወት ታሪክ

ሓፂር ሂወት ታሪክ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ስላሴ ጅግና ሰማእት ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ስላሴ ካብ ኣቡኡ ሓለቓ ሓምሳ ገ/ስላሴ ክንፉ ካብ ኣዲኡ መድሕን ሓለፎም ብ 1986 ዓ.ም ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 10 አብ ከተማ መቀለ ቀጠና ማይደገነ ተወሊዱ ፡፡ ጅግና ሰማእት ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ስላሴ ኣብዛ ናይ ሰማእትነት ጀግንነት ክብሪ ዘግነየላ ትግራይ መቀለ ማይደገነ ንኣስታት 4 ዓመት ድሕሪ ምንባር ናብ አዲስ ኣበባ ናብ ወላዲኡ ከይዱ፡፡ እዋን ቁልዕነቱ ኣባ ኣዲስ ኣበባ ነበረ፣ ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ኣብ ዝአከልሉ ኣብ ቃሊቲ 1ይ ደረጃ ትምህርትቤት ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ተማሂሩ፡፡ እዚ ናይ ሎሚ ናይ ምድሪ ጅግና ናይ ሰማይ ሰማአት ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ስላሴ 2ይ ብርኪ ኣብ ቡልቡላ ት/ቤት 9ይ ን 10ይ ን ተማሂሩ፡፡ ተጋዳላይ ክፍሎም ናብዚ ናይ ሎሚ ናይ ምድሪ ጅግና ሓርበኛ ናይ ሰማይ ሰማእት ክብሪ ዘብቅዖ አብ እዋን ቁልዕነቱ በዓል ፅኑዕ መትከልን ዓላማን ምንባሩ እዩ፡፡ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ስላሴ ናይ ባጃጅ መካኒክ ኮይኑ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የማሓድር ነይሩ፡፡ብ 2008 ዓ.ም ናብ ሞኮኒ ብምካድ ናይ ባዕሉ ጋራጅ ብምክፋት ንባዕሉን ንቤተሰቡን ንመሓዙቱን ተስፋ ዝኮንሉ ጠንካራ ኣብ ስርሑ እውን ተኣማኒ ነይሩ፡፡ ጅግና ሰማእት ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ስላሴ ነቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝትአወጀ ናይ ዘርኢ ምፅናት ዘመቻ ድሕሪ ምኪያድ ተጋዳላይ ሰማእት ክፍሎም ገ/ስላሴ ናይ ምድሪ ጅግና ሓርበኛ ናይ ሰማይ ሰማእት ክብሪ ዘጎናፅፍ ክስተት ብ2014 ወርሒ መስከረም ዕለት 10 ልክዕ ብዝተወለደሉ ዕለት ናብ ታዕሊም ብምዉራድ አብ ርሻሞ መሰልጠኒ ማዕከል ብፅንዓት ብጀግንነት ታዕልሙ ወዲኡ፡፡ አብ ወርሒ ጥቅምት 25 ዕለት ድማ ብዕሊ ስልጠናኡ ወዲኡ ናብቱ ናይ ዘለአለም ክብሪ ዝወርሰሉ ፅኑዕ ዕላማ ናብ ብፆቱ ተፀንቢሩ። ብዕለት 28 ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ናብ ሰሜን ወሎ ጢጣ ከተማ ናብ አርሚ 15 ኮር 152 ክ/ሰራዊት ስዩም ረጅምነት 3 ሀይሊ 4 ተፀምቢሩ። ናይ ጀግንነትን ሰማዕትነትን መፈለምትኡ ጀመረ። ብምቅፃል ሕዳር 5/2014 አብ ሰሜን ሸዋ ከተማ ካራ ቆሬ ሓያል ውግእ ብምክያድ መስተንክራዊ አወት አብ ልዕሊ ፀላኢ አቁፂሩ ናይ ጅግንነትን ሰማዕትነትን ጉዑዞኡ ቀፀለ።ብምቅፃል ብፅኑዕ ጅግንነት ናይ ሰማእታት መንፈስን ንቲ ዝተበታተነ ፀላኢ ንምድምሳስ አብ መሃል ሜዳ ከበድቲ ውግአት አካይዱ። ካብዚብምቅፃል ብጅግንነት አብ ዞብልን መሃል ሜዳን ንክልተ መዓልቲ ብዘይ እረፍቲ ቤዛ ህዝቡን ዓዱን ብፅንዓት ብምቅላስ ንምእማን ዝከብድ ነታ ውፅእቲ አዶ ዝድብስ ነቶም ግፍዐኛታት አፎም ዘትሕዝ ረዚን ዓወት ምስ መቃልስቱ አመዝገበ።እዚ ኩሉ ከርተቱን ህይወቱን ቤዛ ትግራይ ዝከደ ጅግና ሐዝውን እንተኮነ ክብሪ ዓዱ ክስካብ ዝምለስን ንብዓት አዲኡ ክስካብ ዝምለስን ሰማዕትነቱ ቀፀለ። ብህዳር 19/2014 ድም አብ ሞላሌ ብዘደንቅ ጅግንነትና አብ ሰላድንጋይ ፍሉይ ውግእ ብምክያድ ሐዚ እውን ንብዓት ዓዱኡ ክብሪ ዓዱን ስንቂ ኮይንዎ ዓወት አመዝገበ። ብድሕሪዚ ብላዕለዎት አዘዝቲ ብዝወሰንዎ መሰረት ህዳር 21/2014 መልሲ ናብ ትግራይ ተገበረ። ዕለት 22-25/2014 አብ ሃርቡ ን 2 አሃዱታት ቆሪፁ ዝነበረ ፀላኢ ውግእ ብምክፍት ሓይሊ ፀላኢ ምስ ብፆቱ ኾይኑ ክበታተን ገበረ። ድህሪ 4 መዓልቲ ዕረፍቲ ካብ መርሳ ናብ ትግራይ ጉዕዞ ገበሩ። ካብ ወርሒ ታህሳስ 3-9 ዘሎ መዓልቲታት ካብ ዓፍር ዝመፁ አብ ዘብል ዓብዪ ናይ ምክልካል ስራህ ብምግባር ካብ ላዕለዋት አዘዝቲ ትግራይ ልዑል ናእዳን ክብርን ምስ ብፆቱ ረከበ። ዕለት 10 ወርሒ ታህሳስ 2014 አላማጣ አተወ። ብዕለት 11 ወርሒ ታህሳስ 2014 ድማ አብ ሓሸንገ ሓዲሮም ዕለት 12/2014 ናብ ዓድዋን ራማን ግዳጅ ተዋሂብዎም አብ ጉዕዞ እናሓለው አብ ከባቢ ማይ ቀይሕ አብ 11-12 ሰዓት አብ ልዕሊኡን ብፆቱን ናይ ድሮን መጥቃእቲ ተካይድሎም። ተጋዳላይ ክፍሎም ገ/ ስላሴ አብ 28 ዓመቱ ወርሒ ታህሳስ 12/2014 ቤዛ ህዝቡን ዓዱን ብመስዋእቲ ሓሊፉ። ተጋዳላይ ክፍሎም በዓል ሓዳርን አቦ ሓደ ቆንዓን ነበረ። ጥቅምቲ 11/2016 ስነስርዓት 2ይ በብሪ አብ ስላሰ መቀለ ቤ/ን ተካይዱ። ንመላእ ቤተሰብን ፈተውቱን ፅንዓት ይሀብኩም ጀግና ተጋዳላይ ክፍሎም አብ አፀደገነት የንብረልና።